ስርዓት ህግደፍ ሓሙሽተ ላዕለዎት ሓለፍትን ምሁራትን ሚኒስትሪ ሕርሻ ኣሲሩ።

Wednesday, 10 November 2010 15:52

ሪ ሕርሻ ኣገዳሲ ሞያ ዝነበሮም፡ ገሊኦም ከኣ ኣብ ልዕለዋይ ጽፍሒ ሓላፍነት ዝነበሩ ፡ ሓሙሽተ ሓለፍትን ምሁራትን ናይቲ ሚኒስትሪ ኣብ ዝተፈላለየ ግዜ ኣሲሩ ደሃዮም ኣጥፊኡዎ ከምዘሎ ድንጕዩ ዝበጽሓና ሓበሬታ ኣፍሊጡ።

ሓደ ካብኣቶም ኣብ ሚኒስትሪ ሕርሻ፡ ዳይረክተር ክፍሊ ተክኒካዊ ኣገልግሎት፡ (Technical Service Division) ዝነበረ ዶር ገብሪሂወት ጠዓመ ክኸውን ከሎ፡ ኣብ ወርሒ ሰነ ናይዚ ዓመት ‘ዚ እዩ ተኣሲሩ። ብዓል ሞያ ሕርሻ ዶር ገብሪሂወት፡ ካብ ራሻ ናብ ገድሊ ዝተጸንበረ ተጋዳላይ ነበር እዩ።

ካብኡ ቀጺሎም ኣብ ሓምለ 2010 ዝተኣስሩ፡ ሓላፊ ክፍሊ ዕድጊ ሚኒስትሪ ሕርሻ ተስፋልደት መሓሪ ከምኡ ‘ውን ናይ ኣንበጣ ምድረበዳ ብዓል ሞያ ሓበሬታ ኢዮብ መንግስ እዮም።

ኣብቲ ሚኒስትሪ ሓላፊ ሃብቲ እንስሳ (Life stock) ዶር ዑቕባገብሪኤል ከምኡ ‘ውን  ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ብሞያ ሕርሻ ናይ ማስተርስ ዲግሪ ምሩቕ ኮይኑ ከም ክኢላ እንስሳ ዘገዳም ዝዓዪ ዝነበረ ተጋዳላይ ረዳእ ተኽላይ ከኣ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥቅምቲ እዮም ተኣሲሮም።

ነዞም ሓሙሽቲኦም ሰብ ሞያን ሓለፍትን፡ ብቤትጽሕፈት ፕረዚደንት ዝተላእኩ ኣባላት ጸጥታ፡ ቁጽሪ ሰሌዳ (ታርጋ) ዘይብለን መካይን ገይሮም ኣብ ስራሕ ከለዉ ለቒሞሞም ከምዝኸዱን ክሳብ ሕጂ ደሃዮም ከምዘይፍለጥን እቶም ምንጭታት የረድኡ።

ምኽንያት ማእሰርቲ ናይዞም ግዳያት ከምቲ ስርዓት ህግደፍ ኩሉ ሳዕ ዝገብሮ ኣይተገልጸን። ይኹን ‘ምበር፡ እቲ ስርዓት ንምሁራትን ፖለቲካዊ ፍልልይ ዘለዎም ዜጋታትን ወይ ‘ውን ኣተሓሳስባኦም ቀይሮም ኣለዉ ኢሉ ንዝጠርጠሮም ብሓይልታት ጸጥታኡ ለቒሙ ደሃዮም ናይ ምጥፋእ ኣመል ከምዘለዎ ግን ይፍለጥ።

ነዚ ወርሒ መጸት ዝካየድ ዘሎ ወፍሪ ማእሰርቲ ዝተዓዘቡ ሰራሕተኛታት ሚኒስትሪ ሕርሻ፡ “ገመድ ህግደፍ ንዓይ ከ መዓስ ‘ያ ትመጸኒ” እናበሉ ምዩቕ ክብሉ ይረኣዩ ከምዘለዉ ከኣ እቶም ምንጭታት ይጠቕሱ።