-->


ገዲም ተጋዳላይ ዲፕሎማት ኣፈወርቂ ኣብራሃ


26 Sep. 1949 - 11 May 2020

 

ኣፈወርቂ ኣብራሃ በርሀ ካብ ኣቡኡ ኣቶ ኣብራሃ በርሀን ካብ ኣዲኡ ወይዘሮ ዉነሽ ኣባይን ብ26 መስከረም 1949 ኣብ ኣስመራ ኪዳነ ምህረት ተወሊዱን ዓብዩን። ቀዳማይ ደረጃ ትምህርቱ ኣብ ቤት ትምህርቲ ሕብረትን ካልኣይ ደረጃ ከኣ ኣብ ቀዳማዊ ሃይለ ስላሰ (ቀሃስ)፡ ናይ ሕጂ ቤት ትምህርቲ ቀይሕ ባሕሪ ተማሂሩ። ብድሕሪኡ ናይ ፖሊ ተክኒክ ትምህርቲ ንምውሳድ ብ 1964 ናብ ባህር ዳር ከይዱ። ትምህርቱ ምስ ወደአ፡ ኣብ ዓሰብ ኣብ ዝርከብ መጻረዪ ነዳዲ (ረፋይነሪ) ንኣስታት ሓደ ዓመት ድሕሪ ምስራሕ፡ ብ1969 ንዝለዓለ ትምህርቲ ናብ ሩስያ ከይዱ ቋንቋ ድሕሪ ምጽናዕ፡ ንሓሙሽተ ዓመት ጽዑቕ ትምህርቱ ብስነ ቀመም ቀዳማይ ዲግሪ ዛዚሙ።

ኣፈወርቂ በቲ ኣብቲ እዋን ዝጓሃሃር ዝነበረ ውዕዉዕ ሃገራዊ ቃልሲ ተጸልዩ፡ ኣባል መንእሰያት ምንቅስቓስ ኤርትራውያን ንናጽነት ኣብ ኤውሮጳ (ኤ.ና.ኤ.) ብምዃን ኣብ ሃገራዊ ቃልሲ ንጡፍ ኣበርክቶ ዝገበረ ትጉህ ኤርትራዊ ተቓላሲ እዩ።

ነቲ ኣብ ኤውሮጳ ዝጀማመሮ ፖለቲካዊ ሃገራዊ ቃልሲ፡ ንሜዳ ኤርትራ ኣትዩ ክቕጽሎ ስለዝወሰነ ከኣ ምስ ብዙሓት ማማህርቱን ኣዕርኹቱን ብ 03 መጋቢት 1975 ናብ ህዝባዊ ሓይልታት ሓርነት ኤርትራ (ህ.ሓ.ሓ.ኤ) ተጸንቢሩ። ድሕሪ ሓጺር ወተሃደራዊ ታዕሊም ከኣ፡ ኣብቲ ሽዑ ዝበጋገስ ዝነበረ ክፍሊ ኢደ ስርሓት (ብተጋደልቲ “ራሕባ” ተባሂሉ ኣብ ዝጽዋዕ ኣሃዱ) ፈላሚ ጉዕዞኡ ጀመረ።

ቀጺሉ፡ ኣብ 1977 ኣብ ብርጌድ 23 ኣብ ተዋጋኢ ሰራዊት ተመዲቡ ድሕሪ ምግልጋል፡ ህዝባዊ ሰራዊት ኣብ ድፍዓት ሳሕል ቀዋሚ ድፋዓት ምስ ሓዘ፡ ኣብ ፈለማ ሰማንያታት (1980ታት)፡ ኣብ ጉጅለ ባህሊ-ብርጌድ 23፡ ከም መራሒ መደብ እታ ጉጅለን ኣሰናዳኢ መደባትን ብምዃን ክሳብ 1984 ኣገልጊሉ። ብድሕሪኡ ኣብቲ ኣብ ሜዳ ቆይሙ ዝነበረ ብ`”እንዳ ኬሚስትሪ” ዝፍለጥ ክፍሊ ስነ-ቐመም ከም ሓላፊ ጨንፈርን ሞያውን ኮይኑ፡ ክሳብ ናጽነት ገድላዊ ሂወቱ ቀጺሉ።

ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ፡ ኣፈወርቂ ኣብራሃ ሓደ ካብቶም ኣብ 1991 ንመጀመርታ ናብ ዓሰብ ዝኣተዉ ኮይኑ፡ ነቲ ንግዚኡ ካብ ስራሕ ወጻኢ ኮይኑ ዝነበረ መጻረዩ ነዳዲ (ሪፋይነሪ) ናብ ንቡር ስርሑ ንምምላስ ካብ ዝጸዓቱ ተጋደልቲ፡ ሓደ ኢዩ ኔሩ።

ብዙሕ ከይጸንሐ ከኣ ኣብቲ ንመጀመርታ ግዜ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝኽፈት ዝነበረ ኤምባሲ ኤርትራ ከም ቀዳማይ ጸሓፊ ኮይኑ ኣገልጊሉ። ናጽነት ኤርትራ ብህዝባዊ ድምጺ ንምርግጋጽ ኣብ ውሽጥን ወጻእን ኣብ ዝተገብረ ህዝባዊ ረፈረንዱም ከኣ፡ ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተኻየደ መስርሕ ረፈረንድም ዝመርሐን ዘወሃሃደን ውፉይ ሃገራዊ እዩ።

ኣፈወርቂ ኣብራሃ ብ1994 ብፖለቲካል ሳይንስ ናይ ማስተርስ ዲግሪ ክገብር ንዓዲ እንግሊዝ መጺኡ። ትምህርቱ ብልዑል ነጥቢ ኣጠናቒቑ ንኤርትራ ተመሊሱ። እንተኾነ ብዙሕ ከይደንጎየ ብ1996 ወኪል ኤርትራ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ (General Consulate) ኮይኑ ክሳብ 2001 ጸኒሑ። ኣፈወርቂ፡ ቅድሚን ድሕሪን ናጽነት፡ ኣብ ሃገራዊ ቃልሲ ብኹሉ ዝኽእሎ ዓቕሚ ብትግሃት ዝተዋሰአ፡ ሓያል ተራን ጽልዋን ዝነበሮ፡ ተጋዳላይ ኢዩ ኔሩ።

ኣፈወርቂ ኣብ ስነ ጥበብ እውን ሓያል ኣበርክቶ ዝነበሮ፡ ኣብ ብረታዊ ቃልሲ ሓያሎ ናይ መድረኽ ትያትር ዝደረሰን፡ “ሰንሰለት” ዘርእስታ፡ ብውክልና ጠባያት ንከፊላዊ ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ እተዘንቱ መጽሓፍ ዝጸሓፈን፡ ደራሲ ናይታ ‘ከምዚ ኔሩ እንተዝኸውን” እትብል፡ ደቀንስትዮ ንዘሕልፈኦ ምረትን ክዋሃበን ዝግባእ ክብሪን እትገልጽ፡ ብቛንቋ እንግሊዝ ከይተረፈ ተተርጉማ፡ ብዙሕ ኣድናቖት ዘትረፈት ናይ መድረኽ ድራማ ዝደረሰ ኢዩ። ብሓጺሩ ኣፈወርቂ ካብቶም ብኹለንትናዊ ክእለቶም ጸብለል ዝበለ፡ ኣብ ዘዝኣተዎ ዓውዲ ዘድምዕ፡ ፍቱው ኣላይ መድረኽን ክኢላ ስነ ጥበባውን፡ ኢዩ ኔሩ።

ኣፈወርቂ ኣብራሃ፡ ካብ መንግስታዊ ስራሕ ድሕሪ ምስንባቱ፡ ነታ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ከቢድ ሓደጋ መኪና ኣጋጢሙዋ ንልዕሊ 20 ዓመታት ኣብ ዊል-ቼር እትነብር ዘላ፡ ገዲም ፍትውቲ ተጋዳሊት ብጸይቱን በዓልቲ ቃል ኪዳኑን ፋጥና አሕመዲን፡ ኣብ ምእላይን፡ ደቁ ኣብ ምዕባይን ምምሃርን ተጸሚዱ ድሕሪ ምጽናሕ፡ በዚ ንዓለምና ዘናወጸ ኮቪድ-19 ብዘጋጠሞ ሕማም ኣብ ሆስፒታል ብሰላም ዓሪፉ። ኣፈወርቂ ኣብራሃ በዓል ሓዳርን ኣቦ ክልተ ዕዉታት ቆልዑን ኢዩ ኔሩ።

ገዲም ተጋዳላይ ዲፕሎማት ኣፈወርቂ ኣብራሃ በርሀ ብኮሮና ቫይረስ (COVID 19) ብዘጋጠሞ ሕማም ንልዕሊ ወርሕን ፈረቓን ኣብ ሕክምና ክእለ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ብ11/ግንቦት/2020 ኣብ ሕክምና ዓሪፉ


In 1969, Afewerki Abraha went to USSR to study.
After graduating in chemistry, the patriotic Afewerki went to Eritrea to join EPLF as a soldier.
In 1980, he became the leader of Bridage 23’s Cultural Groups.
While he was with the brigade, Afewerki wrote his first book called Kemsie Ntezechrewn [If It Had Been Like This] in 1980, specifically for the occasion of the 8 March International Women’s Day.
Later, Afewerki joined the EPLF’s chemistry department in Sahel underground mountains.
In 1991, Afewerki was tasked to repair the petroleum refinery in Assab.
In 1993, Afewerki became the First Secretary at Eritrean Embassy in Ethiopia.
In 1994, he was sent to England to study a Master Degree in political science and graduated with first class.
In 1995, he published his second book, a novel called The Chains.
From 1996 to 2001, he was General Consulate at Eritrean Embassy in the UK.
While Afewerki was working as Consulate, his beloved and veteran artist singer wife Fatuma Ahmedin had a car accident in London and sustained heavy injuries.
Singer Fatuma needed closer care and Afewerki retired from his government job and spent over 20 years caring for his bed-ridden wife and looking after his daughters in London.
Afewerki's whole sister-in-law's family perished two years ago during the Grenfell Tower fire in London.
Six weeks ago, Afewerki became one of the first Eritreans to catch COVID-19.
A day before yesterday, on Monday 11 May 2020, Afewerki passed away, leaving his wheelchair-bound wife alone.
He is survived by his two daughters.

 

 

ተጋዳላይ ኣፈወርቂ ኣብርሃ፡ ስነ ጥበበኛ ኮይኑ ንከም በዓል ሃይለሚካኤል ሊንጎ ዘፍረየን ብዙሕ ድራማታትን ዜማታትን ዝደረሰ፥ በዓል ሞያ ሳይንስ ቅመምን፡ ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ ነቲ ኣብ ዓሰብ ዝነበረ ሪፋይነሪ ዳግም ክሰርሕ ካብ ዘገብሩን ከም ዲፕሎማት ኣብ ኢትዮጵያን ዓባይ ብሪጣኒያን ዝሰርሐን እዩ። ንድምጻዊት ተጋዳሊት በዓልቲ ቤቱ ፋጥና አሕመዲን ኣብ ምእላይን ደቁ ኣብ ምዕባይን ምምሃርን ድሕሪ ምጽናሕ፡ ኣብዚ ቕነ ብሕማም ኮቪድ-19 ሓሚሙ ዓሪፉ ኣሎ። ናይ ቀረባ ፈላጢኡን መጋድልቱን ዝኾነ ኣቶ ክፍለዮሃንስ የዕብዮ፡ ብዛዕባ ህይወት ኣቶ ኣፈወርቂ ምልስ ኢሉ ገሊጹልና ኣሎ።

https://www.sbs.com.au/language/tigrinya/audio/diplomat-afewerki-abraha-died-of-covid-19
[Table of contents]
  ehrea
 

                      ehrea.org © 2004-2017. Contact: rkidane@talk21.com