3 እሱራት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዓዲ ኣበይቶ ሞይቶም፡ ካልኦት 17 እሱራት ብሕማም ይሳቐዩ ኣለዉ!

By   /  November 7, 2017  /  Comments Off on 3 እሱራት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዓዲ ኣበይቶ ሞይቶም፡ ካልኦት 17 እሱራት ብሕማም ይሳቐዩ ኣለዉ!

3 እሱራት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዓዲ ኣበይቶ ሞይቶም። እቶም ብዕለት 22 ጥቅምቲ 2017 ዝሞቱ እሱራት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዓዲ ኣበይቶ ብሰንኪ ብዝሒ እሱራትን ጉድለት ጽሬትን ኣትዩ ብዘሎ ሕማማት ውጽኣትን ተምላስን ኢዮም ህይወቶም ሓሊፉ። ብዘይካ እዞም ዝሞቱ ግዳያት  ካልኦት 17 እሱራት ብሕማም ይሳቐዩ ምህላዎም ተሓቢሩ። እቶም ሰለስተ ዝሞቱ እሱራት ስድራቤቶም ከይተሓበሩ  ስምኦን  “ጆንሲና|” ብዝበሃል መርማሪ ምስ ተሓጋገዝቱ ኣብ ዘይተፈለጠ ቦታ ከምዝተቐበሩ ተገሊጹ። 
ናይ ዓዲኣቤቶ ሕሙማት ተመላልስ ዝነበረት ኒሳን ዝዓይነታ መኪና ብምብልሻዋ፡ ሕሙማት  ናብ ሕክምና ብእዋኑ ይለኣኹ ከምዘየለዉ ዝሓበሩ እቶም ምንጭታት ፡ ቤትማእሰርቲ ዓዲ ኣቤቶ ብፈረቓ ምስ ቤት ማእሰርቲ ማይስርዋ ሓንቲ መኪና ኣብ ክልተ ሰሙን ይጥቀም ምህላዉ ገሊጾም። እዞም ዜጋታት ግዳያት ሞትን ሕማምን ዝኾኑ ድማ በዚ ምኽንያት ኢዩ። 
 
ኣብዚ እዋን እዚ ኣብቲ ብእንዳ ከይዝ ዝፍለጥ ቤትማእሰርቲ ዓዲ ኣቤቶ ክሳብ 645 እሱራት ከምዘለዉ ዝሓበሩ ምንጭታት፡ ካብዚኦም እቶም 186 ኣብ ኢዶምን እግሮምን ፌሮ ማለት ሰንሰለት ዝኣተዎም ኢዮም። እዞም 186 እሱራት መዓልታዊ ንመርመራ ምሸት ምሸት ድማ ንምቕጥቓጥን ንምስቓይን ከምዝወጹ ይሕበር።
 
ብዘይካ እዚ ኣብ ሓፈሻዊ ቤትማእሰርቲ ዓዲ ኣበይቶ ክሳብ 1300 ዝኾኑ ብሙኽብላል፡ ስግረ ዶብ፡ ብሕድሪ ማለት ኣጽንሑልና ብዝብል ምድባት ተኣሲሮም ከምዘለዉ ዝሕበር ኮይኑ፡ ክሳብ 87 ደቅንስትዮ ገለ ካብቸን ምስ ናጽላ ደቀን ወይ ውን ነብሰጾራት ከምዝርከበአን ይሕበር። 
 
ብሰንኪ ጥሜትን ርስሓትን ኣብ ዓዲ ኣበይቶ  እሱራት ብብዝሒ ይሓሙ ስለዘለዉ እቲ ኣብቲ ቤትማእሰርቲ ዘሎ ንኡስ ሕክምና ልዕሊ ዓቕሙ ኮይኑ ኣሎ። ብሰንኪ እዚ ሎሚ ኣብቲ ቦታ ዝርከብ ሕክምና ብብላዕን ጉቦን ኮይኑ ምህላዉ ተሓቢሩ። ብፍላይ ኣብ ልዕሊ ደቂንስትዮ ዝወርድ ዘሎ በደል ኣዚዩ ከቢድ ሙኻኑ እቶም ምንጭታት ሓቢሮም።