ህግደፍ ን5 ጳጳሳት ተዋህዶ ኣደስኪልዎም ን1 ፈላሲ ኣሲርዎም

By on February 5, 2016 source assenna

5 ጳጳሳት ተዋህዶ ቤተክርስትያን ደሃይ ካብ ዘጥፍኡ ድሮ ገለ ሰሙናት ሓሊፉ ኣሎ:: ስርዓት ህግደፍ ኣብ ዝኾነ ንግደት ይኹን መንፈሳዊ በዓላት ከይሳተፉ ካብ መንፈሳዊ ኣገልግሎቶም ብምኽልካል ብጽኑዕ ሓለዋ ይከታተሎም ኣሎ:: ንሳቶም (1) ኣቡን ቀርሎስ ጳጳስ ዞባ ደቡብ ዓዲ ቀይሕ፥ (2) ኣቡን ሰላማ ጳጳስ ዞባ ደቡብ – መንደፈራ (3) ኣቡን ዮሃንስ ጳጳስ ሰሜናዊን ደቡባውን ቀይሕ ባሕሪ፥ (4) ኣቡን ጴጥሮስ ጳጳስ ዞባ ማእከል፥ (5) ኣቡን ኣትናትዮስ ጳጳስ ዞባ ጋሽ ባርካ እዮም:: ስርዓትህግደፍ ሓድሽ ፓትሪያሪክ ተዋህዶ ቤተክርስትያን ንምምራጽ ኣብ ዝሸባሸበሉ ዘሎ እዋን እዞም 5 ጳጳሳት ግን ሓድሽ መራሒ ኣይንመርጽን ኢሎም እምቢ ስለዝበሉ ንድሌቱ ዝጻባእ ዘይተጸበዮ መርድእ ኮይንዎ ኣሎ::
 
እዞም 5 ጳጳሳት: ሓድሽ ፓትሪያሪክ ኣይንመርጽን ኣምሳያኡ ግን ነቶም ኣብ ማሕዩር ዝርከቡ ፓትሪያሪክ ኣንጦንዮስ ካብ ማእሰርቲ ተፈቲሖም ይምርሑና ብምባል ካልእ ሓድሽ ፓትርያርክ ከምዘይመርጹ ምስ ሓበሩ ስርዓት ህግደፍ እቲ ሓድሽ ኣካይዳ ጳጳሳት ስለሰምበዶ ክድህሎምን ክህድዶምን ፈቲኑ:: ሞባይል ስልኮም ቆሪጹ ምስ ሰባት ከይራኸቡን ክንጽሎምን ዝከኣሎ ጻዕሪውን ይገብር ኣሎ:: ቅድሚ ሓደ ወርሒ እዞም 5 ጳጳሳት በቲ ስርዓት ዝተመወሉ ክልተ ኣማሓደርቲ ተዋህዶ ቤተክርስትያን ነቲ ስርዓት ከይሓበሩ ስለዘባረርዎም ኣብቲ ስርዓት ቝጥዐ ፈጢሩ ቀንዩ ነይሩ:: ኣባ ክብረኣብ ዝበሃሉ ፈላሲ ናይ ገዳም ኣቡነ ፍሊቆስ ቢዘን ስርዓት ህግደፍ ብ6 ጥሪ 2016 ኣሲርዎም ኣሎ:: ኣባ ክብረኣብ: መንግስቲ ካብ ቤተክርስትያን ተዋህዶ ኢዱ የውጽእ ስለዝበሉ እዮም ተኣሲሮም::
ኣብዚ ግዜዚ ኣባ ሉቃስ ዝበሃሉ ናይቲ ስርዓት መሳርሒ ብምዃን ንበይኖም ይጋልቡ ኣለዉ:: ኣባ ሉቃስ ከም መራሒ ተዋህዶ ኮይኖም ኣብ በዓላትን ንግደትን ዝቕልቀሉ ዘለዉ ድማ እቲ ስርዓት ሕጹይ ፓትሪያሪክ ተዋህዶ ንሶም እዮም ንምባል ዝዓለመ ዩ::
 
ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝነብሩ ክልተ ጳጳሳት: ስርዓት ህግደፍ ንዝገብሮ ዘሎ ጣልቃ ብምቅዋም ምስቲ ስርዓት ዝነበሮም ርክብ በቲኾም ኣለዉ:: ጳጳስ ሽኖዳ ዝበሃሉ ኣብ ኣብ ኣሜርካ ዝቕመጡን ሕጂ ኣብ ኤውሮጳ ዝቕመጡ ዘለዉ ኣቡን ማርቆስ ዝበሃሉ ጳጳስ ካብቲ መንግስቲ ተነጺሎም ይነብሩ ኣለዉ::
 
የርህዎዝጊ
ከባቢ ጸጸራት, ኣስመራ::

C