ኣበባ ሃይለ

ንድፊ ንታሪኽ ሂወት ጅግና ተጋዳሊት ኣበባ ሃይለ,

አምነቱ ተስፋይ  ብዕለት  29 ሚያዚያ 2017 ምስ ቲቪ ሰነድ  ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕተት: ኣበባ ሃይለ ኣገዳሲ ዝኾነ ኣበርክቶ ከም ዝገበረት ይዝከር በለ። እዚ ድማ ኣብቲ ሓበሬታ ምስግጋር መልእኽቲታት ምትሕልላፍ ኣዝዩ ኣድላዪን ወሳኒን ዝነበረሉ እዋን እዩ። ሰውራ ኤርትራ እንዳ ዓበየን እንዳደልደለን ኣብ ዝኸደሉ ዝነበረ ግዜ ርክብ (communication) ኣብ መንጎ ተቓለስቲ ኣብ ዉሽጢ ኢትዮጵያ ዝነበሩን ፡ ኣብ ኤውሮፓን ማእከላይ ምብራቕ ዝነበሩን ፡ ኣብ ሱዳን ዝነበሩን ፡ ኣብ ሜዳ ዝነበሩን ናይ መልእኽቲ ምትሕልላፍ ወሳኒ ኣገልግሎት ዝገበረት ምዃና ይዝከር። እዚ ድማ ኣብ ናይ ኢትዮጵያ ኣየር መንገዲ ከም ሆስተስ ኮይና ትሰርሓሉ ኣብ ዝነበረት እዋን ነቲ ዕድል ተጠቒማ ዝገበረቶ ኣበርክቶ እዩ ነይሩ።

ብ1973 ሓደ መዓልቲ ካብ ሮማ መጽያ ናብ ኣዲስ ኣበባ ምስ ኣተወት ነተን ክልተ መናብርት ኣ ናብ ገዝ ኣ ተለፎን ደዊላ ክትረኽበን ፈተነት። እንተኾነ እተን ኣዕሩኽታ ብስርዓት ከዛርብ ኣ ኣይከኣላን ምኽንያቱ ፖሊስ ኣብቲ ገዛ ጎርጓር የካዪዱ ስለ ዝነበሩ። ኣበባ ውን ቀልጢፋ ቆብ ኣቢላቶ ኣብ ካልእ ቦታ ተሓብ አት። ድሕሪ ቁሩብ ግዜ መልእኽቲ ናብ ጎንደር መጽዩኒ። እቲ መልእኽቲ ድማ ኣበባ ኣብ ኣዲስ ኣበኣ ተሓቢኣ ትነብር ከም ዘላ ናብ ሜዳ ድማ ክትከይድ መደብ ወጽዩ ስለ ዘሎ ካብ ጎንደር ናብ ኣስመራ ንስኻ ሓቢእካ ከተብጽሓ ስራሕ ተዋሂቡካ ኣሎ።  ስለዚ እቲ መንገድታት ኣጽኒዕካ ኣስግራ። ኣብ ኡ ዝቕበለካ ሃይለ ናይዝጊ እዩ ተበሃልኩ። ኣበባ ብዙሕ ምስጢር ስለ ትፈልጥ ፈጺማ ክትትሓዝ የብላን ተበሃልኩ።

ካብ ጎንደር ናብ ኣስመራ ብናይ ብሕቲ መኪናን ብ ኣውቶቡሳትን 3-4 ግዜ ተመላሊሰ ምእንቲ እቲ ኩነታት ጸጥታን ፍተሻን ኣብ መንገድይ ዘሎ ንምድህሳስ። ብዝኾነ ዓይነት መንገዲ ክትትሓዝ የብላን ስለ ዝተባህለ ድማ እቲ ጥንቃቔ ዝለዓለ ደረጃ ሒዙ ነበረ።

ንናይ ቀረባ ዓርከይ ኢንጂነር ኣስመላሽ ግርማጽዮን (ጨጋዕ) ከማኽሮ ተገዲደ። ንሱ በዓል ሓዳር ኣቦ ቆልዑት ውን ስለዝኾነ ኣብቲ ጉዳይ ክካፈል ኣይደለኽዎን ነይረ። እንተኾነ ከም ሓላፊ ናይ ምሉእ በገምድርን ሰሜንን ናይ ኣውራ ጎደና በዓል ስልጣን ስለ ዝነበረ ናይ ስራሑ መኪና እንድሕር ኣዳልዩልና ከይተጠርጠርና ክንሰግር ስለ ንኽእል እታ ዝሓሸት ንሳ ምዃና ምስ ፈለጥኩ ኣማኺረዮ ክትሓባበረኒ ውን ፍቓደኛ ምዃኑ ገለጸለይ።

ሓንቲ ፒክኣፕ መኪና ምስ ኣውቲስተኣ መዲቡልና (እቲ ኣውቲስታ ውን ወዲ ሃገርና እዩ ነይሩ)። ስለዚ ሰለስቴና ኣብ ቅድሚት ኮፍ ኢልና ኣብ ድሕሪት ናይታ ማኪና ድም ቁሩብ ኦክሲጂን ታንክ ጽዒኑ ኣፋነወና። ቅድሚ ምንቃልና ቁኖ ገይራ ፡ ዘንቢል ሒዛ ኣብቲ ዘንቢል ድማ ሓንቲ ደርሆ ኤርና ፡ ርስሕ ዝበለን እርግ ዝበለን ነጸላ ድማ ገይራ ኢና ነቒልና። ኣብ ሽረ ሓዲርና ንጽባሒቱ ኣርፊድና ናብ ኣስመራ ገጽና ነቐልና። መረብ ቁሩብ ሕልፍ ምስ በልና ኮማንዶስ ኣእዳዎም ዊጥዊጥ እንዳበሉ ደው በሉ በሉና። ኣነን ኣበባን ተጣማሚትና መልእኽቶና ከም ዝፈሸለ ፈለጥና ገጽና ድማ ናብ ጓሂን ሕርቃንን ተቐየረ። እንተኾነ እቶም ኮማንዶስ እንዳ ጎየዩ ምስ መጹና ናብ ዓዲ ዃላ ተማል ኡና በሉና። ደይቡ ኣብ ድሕሪት በልናዮም። እቲ ጓሂ ናብ ሓጎስ ተቐዪሩ። ነቶም ኮማንዶስ ሒዝና ዘፍርህ ከምዘይብልና ፈሊጥና ሓድሽ ትብዓትን ተስፋን ኮነና። ዓዲ ኳላ ብዘይ ፍርሂ ኣቲናያ ነቶም ኮማንዶስ ኣውሪድና ብሓድሽ ትብዓት መንገድና ቀጸልና።      

እቲ ዘይምፍራህ ቀጺሉ ነቲ መደብ ቀዪርና ናብ ኣስመራ ቀጺልና። እቲ ናይ ቅድም መደብ መንደፈራ ኣብ መንደፈራ ሓዲርና በታ ናይ ንግሆ ሰዓት 6 ትኸይድ ኣውቶቡስ ክንከይድ እዩ ነይሩ። ምኽንያቱ እታ ናይ ወጋሕታ ኣውቶቡስ ከምዘይትፍተሽ ኣረጋጊጸ ስለ ዝነበርኩ። ዓዲ ጓዕዳድ ቁሩብ ሕልፍ ምስ በልና ነቲ ኣውቲስታ እዛ ሰበይቲ ኣብዚ እያ ትወርድ ኢለዮ ኣውሪድዋ ንሕና ቀጺልና። ኣብ እንዳ ባራቶሎ ምስ በጻሕና ድማ ኣነ ኣብዚ እየ ዝወርድ ኢለዮ ኣብ ኡ ኣውረደኒ። ኣበባ ሰለይ እንዳበለት መጽያትኒ ታክሲ ጌርና ናብቲ ቦታ ናይ ሃይለ ናይዝጊ ወረድና። ኣብ ኡ ሓዉ ንሃይለ ናይዝጊ ደው ኢሉ ጓሂ ዘር ኢ ገጽ ሒዙ ጸንሓኒ። ምስ ተሰዓዓምና ሃይለ ደኣ ኣበይ ኣሎ እንተበልክዎ   ሃይለ ደኣ ተኣሲሩ እንድዩ በለኒ። ሓድሽ ጓሂ ኣጓነፈና። ካልእ ዕድል ኣይነበረንን ናብ ሓንቲ ሓትነይ ኣብ ሰታንታ ኦቶ ትነብር ን ኣበባ ሒዘያ ከድኩ። ኣብ ኡ ቁሩብ መዓልታት ምስ ጸንሐት ሓደ ካልእ ዝቕበለኒ ሰብ ገበሩለይ። ንዕ ኡ ኣረኪበያ ድማ ኣነ ናብ ጎንደር ተመለስኩ።

 

ኣብ ሜዳ በቲ ደረጃ ኣገልግሎታን በቲ ናታ ግድምናን (seniority) ደረጃ ንቕሓትን ኣብቲ ውድብ ንክትምዕብል ዕድል ከምዘይተዋህባ ፡ ብኣንጻሩ እኳ ተስፋ ከም ትቖርጽ ንምግባር ይመስል ብደረጃ ንቕሓት ይኹን ብኣገልግሎትን ተሞክሮን ካብኣ ኣዝየን ዝተሓታ ኣብቲ ቅርጺ ናይቲ ዉድብ ኣብ ልዕሊኣ ከም ዝተገብራ ርኡይ ተግባራት እዩ ነይሩ። ንሱ ድማ ይኹን ደሓን ስለምንታይ ንስልጣንን ስምን ኣይኮነትን ክትጋደል ወጽያ። እንተኾነ ግን እተን ብልዕሊኣ ዝነበራ ክትሓስብ ከምዘይትኽእል ፡ ክትሰርሕ ከምዘይትኽእል ፡ ክትባሳጮን ተስፋ ክትቆርጽን ንምግባር ዝተሓስበ ኣሰራርሓ እዩ ነይሩ። ኣብ ኣበባ ሃይለ ዝተደረተ እኪት ስራሕ ውን ኣይኮነን ነይሩ። ኣብ ኩሉ እቲ ውድብ ዝርአ ዝነበረ ኣሰራርሓ ጥበብ እዩ ነይሩ። ሓደ ብርቱዕ ፍቕሪ ሃገር ዘለዎ ምስኡ ድማ ትምህርቲ ዘለዎ ፡ ኣገልግሎት ልዕልነት ውን ዘለዎ ፡ ክፉእ እንዳረኣየ ስቕ ክብል ዘይክእል ተጋዳላይ ኣብ ሜዳ ይኹን ኣብ ግዳም በዚ ጥበብ እዚ ከምዘይሓስቡን ከምዘይንቀሳቀሱን ይገብርዎም ከም ዝነበሩ ሎሚ ኩሎም ተጋደልቲ ዝነበሩ ዝጠቕስዎ ጉዳይ እዩ። ንኣበባ ድማ ብትምህርቲ ይኹን ብኣገልግሎት ናታ ማዕረ ዘይኮና ከም ሓለፍቲ ኣብቲ ናይ ደቂ ኣንስትዮ ማሕበር እንዳ መረጹ ተስፋ ከም ትቖርጽ ከም ዝገበርዋ ምስጢር ኣይነበረን። ኣብ ልዕሊኡ ድማ ጥዕና ብምስኣን ኣብ ወጻኢ ሕክምና ክትረክብ ኣድላዪ ስለዝነበረ ናብ ሃገር ጥልያን ብ1982? ወጸት።

ንመጋድልታን ካብ ቀደም ዝፋለጡ ዝነበሩን ተጋዳላይ እስጢፋኖስ ኣፍወርቂ (ብሩኖ) ተመርዕያ ሓንቲ ዉላድ ኣላታ። ጓላ ድማ ሳባ ትበሃል። (እቲ ሽም ከመይ ከም ዝተመርጸ ንምግላጽ ይከኣል)

ድልየት ናይ ጓላ ሬሳ ኣዲኣ ኣብ ጥቕኣ ክኮነላ ስለ ዝደለየት ሬሳ ናብ ዓዲ ክኸይድ ኣይደለየቶን።

                                       ጓላ ሳባ እስጢፋኖስ
ኣበባ እታ ናይ ኣየር ኣ አንጋዲት              

Tv Sened Eritra 29 april 2017 Interview Journalist and Librarien Emnetu Tesfay

Abeba :

                                   

excrept from Background information on the first EPLF educated female fighters

One of those teachers who joined the EPLF in 1974 and greatly contributed to the literacy campaign among civilian women from 1975 to 1978 was Saba Gidy

Saba Gidy

Saba Gidy graduated from Lycee Gibra Mariyam (French School) Addis Ababa and became a secondary school french teacher in Dekemhare. She joined the EPLF from Dekemhare in late 1974 and was working in the Department of Public Adminstration (Jemher) in the Karnishim area of the highlands from 1975- 1977.  Subsequently, she was in the combat force at the Massawa Front line for a short period where she was killed in action. In 1970s and 1980s someone who was suspected of having different views from that of the EPLF leaders was commonly sent deliberately from Kefletat (EPLF departments) to the front line, without appropriate military retraining . This happened to many of the EPLF fighters who were killed at the Massawa front in 1977 and 1978. Many of them became a forced martyr. Saba Gidy was one of them.

 

R. I. P. 
Harbegna Abeba Natom Ab Sahil zikeberetom Jeganu Arkibatom.... Nebari Tarik Ember Nebari Hiwet Yelen.....Zelealemawi zikri n'Semaetatna Awet Nihafash....
Ab Hakegna zanta nieshtoy metshaf MsKr tbl Kab zenbebkuwo Metshaf Mskr Tarik sewra bizeaba Siwuety Harbegna Tegadalit Saba Gdey koynu.....Tegadalit Abeba Haile Eza hiji Tesewiea zela Ni gala binay Harbegna Siwuety Bitseyta Saba Gdey atemikata......yehwatna ziwerares abi Tarik gedifomulna yihalfu alewu....Tarikom kinwerso zegnetawi Halafinet Kulu Ertrawi zega eyu.....Saba Estifanos Eza Abtahty zela gala ni Harbegna Siwuety Tegadalit Abeba Haile koyna Saba zibl shim kabta Saba Gdey Etibehal Harbegna Siwuety zitewerese eyu.....Saba Gdey Azya hayal nifiety tewagaiet Tegadalit kemzineberet kemue wn Ab Kifli Hizbi Abi Tera Nay poletikawi nikhat ankihka dma Nay miwidab zinebera Harbegna eya....Saba Kisab Ab Adis Abeba ab abi University binay B.A. degree temerika ab Dekemhare kem memhir kanka Ferensa kemzineberet dhriue Gna ab 1973 nab Hizbawi gnbar Teselifa muliue akman hiweten nisle Hizban Hageran wefiyato, ab 1978-1979 ab Salina kebabi Mitsiwaie ni Kibri Hagera halifa...Abeba Haile dma ni Gala binay 1979 siewty Bitseyta Saba Atemikata.....Haregawi Zantatat tegadeltina kisemie wey kenbib keleku 
Zisimeani simietat kigeltso aykilin......My Sincere Condolences To
AMBASSADOR ESTIFANOS Habtemariam and 
All her family .....
Rest In Peace 

My Heroine Tegadalit Abeba........

 

 

ehrea
 

                      ehrea.org © 2004-2017. Contact: rkidane@talk21.com