ህደረ ጥልመት ኢሳይያስ…ቀዳማይ ክፋል

ፍሊጶስ Vs ጴጥሮስ

ብሓደ ዓመት ኣፈላላይ ጴጥሮስ ብ1951 ፍሊጶስ ብ1952 ተወሊዶም፡፡ ዕድመ ንእስነቶም ኣብ መበቆል ዓዶም ኣሕሊፎም ጴጥሮስ ካብ ሳልሳይ ዓመት ዩንቨርሲቲ ብ1971 ፍሊጶስ ካብ 11 ክፍሊ ብ1972 ናብ ሜዳ ወሪዶም፡፡ ኣብ ህ.ግ ጴጥሮስ ኣባል ፖለቲካዊ ቤ/ጽህፈት፡ ፍሊጶስ ተለዋጢ ማእከላይ ሽማግለ በጺሖም፡፡ ናብ ናጽነት ጴጥሮስ እንዳ 72 ፍሊጶስ እንዳ 70 መሪሖም እዮም ኣትዮም፡፡ ክልቲኦም ታሪኽ ዘይክሕዶ ንወለዶታት ዝወራረስ ቅያ ተጋድሎ ኣሕሊፎም እዮም- ምእንቲ ኤርትራ፡፡ ድሕሪ ናጽነት ጴጥሮስ ብኩሉንትንኡ ብቑዕ ሚኒስተር ፍሊጶስ ከኣ ብወተሃደራዊ ቁጽሪ 72-0890 “ሜጀር ጀነራል” ተሰሚዩ ወተሃደር ኮይኑ፡ ቀጺሎም፡፡

ሎሚ ዘይከም ትማል ዘመን ተገምጢሉ፡ ኩሉ ተረሲዑ፡ ጥልመት ሳዕሪርዎ፡ ብፍቕዲ ፊደላት ጥራሕ ተመሳሲሎም ተሪፎም፡፡ መስከረም 18/2001 እታ ኣብ ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ ሕላገት ሓዲጋ ዝሓለፈት ጸላም መዓልቲ፡ ፍሊጶስ ርኻብ ኢሳይያስ ረጊጹ ሃገር ከዕንው ህዝቢ ክህድድ፡ ጴጥሮስ ከኣ ኣብ መንበሪ ገዝኡ ንስፖርት እንዳተዳለወ ብኮ/ል ርእሶም ኣባይ (ወዲ ማርጋኖ) ትምራሕ ጉጅለ ተዓፊኑ ኣንጉዕኻ ናብ ዘምክኽ ጉድጓድ ክወርድ ተፈሪዱ፡፡ እዛ ዕለት ኢሳይያስን ሒደት ሰዓብቱን ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ ክደብዩ ማህደረ ጥልመት ዝቐልዑላ ዕለት”ያ፡፡

ጉዕዞ ፍሊጶስን ጴጥሮስን ድሕረ-2001

እቲ ጎበታትን መሮርን ጥሒሱ ኣብ ምውሓስ ናጽነት መተካእታ ዘየነበሮ እጃም ዘበርከተ ጴጥሮስ ሰለሙን ካብ 2001 ክሳብ 2003 ኣብ ቤት ማእሰርቲ እንባትካላ፡ ካብ 2003- 2016 ከኣ ኣብ መዓሙቕ ምድረ-ዒራዒሮ ይርከብ፡፡ ድሕሪ ቀይዲ “ጉጅለ-15” ርኻብ ኢሳይያስ ዝረገጸ ፍሊጶስ ኣብ መሬት ኤርትራ ካብ ኢሳይያስ ቀጺሉ ገባሪ ሓዳጊ ኮነ፡፡ ካብ 2001 ንደሓር ፍሊጶስ ኣዛዚ ስርሒታት ዞባ 2ን 5ን፡ ኣዛዚ ተወርዋሪ እዚን ሓለቓ ስታፍ ሓ/ም/ኤርትራን ብምኻን ቦታን ጽፍሕን እንዳቀያየረ ብኢሳይያስ ዝተመጠወሉ ናይ “ጀነራልነት” መዓርግ ወሲኹ ካልኣይ ኣባጓይላ ጥልመትን ጥፍኣትን ኤርትራ ኮይኑ ቀጸለ፡፡

ኣብ ሓይልታት ምክልኻል ካብ ክ/ሰራዊት ክሳብ እዚ ዝተዘርገሐ “ጨንፈር ኣፍረይቲ ወይ ንግዳዊ ትካላት” ዝበሃል ሕርሻ፡ መፍረ ጥሪትን ድኳናትን ዝሓዘ ዋንነቱ ንኣዘዝቲ ሰራዊት ዝኾነ ኣወዳድባ ኣሎ፡፡ ጨንፈር ኣፍረይቲ ትካላት ኣታዊታቱ ኦዲት ተገይሩ ዘይፈልጥ ብናጻ ጉልበት ሰራዊት ዝዕየን ዝፈርን ማእለያ ዘይብሉ ማል ዝውንን ምንጪ ኣታዊታት ካብ ኣዘዝቲ ክ/ሰራዊት ንላዕሊ ዘለው ላዕለዎት ወተሃደራዊ መኮነናት እዩ፡፡ብጉርሒ ዝልለ ጀነራል ፍሊጶስ ኣብ ዘዝተመደበሉ ጽፍሒ ልዕሊ ዝኾነ ይኹን ሓላፊ ብጨንፈር ኣፍረይቲ ትካላት ዝርከብ እቶት ብዘይሓታቲ ንውልቁ እንዳውዓለ ማእለያ ዘይብሉ ርእሰማል ኣጥሪዩ እዩ፡፡ ኣዛዚ ስርሒት ዞባ 02፡ 05፡ ኣዛዚ ተወርዋሪ እዝ ሓለቓ ስታፍ ሚ/ሪ ምክልኻልን ኮይኑ ኣብ ኣብ ዘገልገለሉ ጽፍሒታት ኩሉ ፍልፍል ኣታዊታቱ፡

1. ጨንፈር ኣፍረይቲ ትካላት (ሕርሻ ዓዲ ዑመር፡ ኣስመራ ፍላዎርስ፡ ድኳናት ቀሓውታ)
2. መሸጣ መንቀሳቐሲ ብፍላይ ዘመድ ኣዝማዶም ኣብ ወጻእ ዝነብሩ ዜጋታት ምስ ወዲ ማርቆስ (ሓላፊ ጨንፈር ተወርዋሪ እዚ)፡ ኮ/ል ብርሃነ (ወዲ ውነሽ- ጸሓፊ ቤ/ጽ ጀነራል - ባለነኪ) እንዳተማሳጠረ ናይ ቦርድ: Unfit፡ ምፍናውን ወተሃደራዊ መንቀሳቐሲን ወረቓቕቲ ይሸይጥ፡፡
3. ኣባል ሓይሊ ዕማም ሃገራዊ ጸጥታ ስለዝኾነ ብምስምስ ሃገራዊ ጸጥታ (National Security) ገለ ዜጋታት ካብ ሃገር ከይወጹ ኣብ ኢሜግረሽን ኣብ Black List ክኣትው እንዳገበረ ኣሰናቢዱ ብመርበባቱ ማእለያ ዘይብሉ ገንዘብ የኻዕብት፡፡ ብከምዚ ዓይነት መገዲ ኣብ 2009ን 2012 ካብ ደገ ዝኣተዋ ኣዋልድ ኤርትራውያን ኣስማተን ኣብ Black list ክኣቱ ብምግባር ካብ ሃገር ከይወጻ ከልኪሉ ኣብ መወዳእታ ጾታዊ ርክብ ፈጺሙ ክወጻ ፈቒዱለን፡፡ (ንኽብሪ እተን ኣሕዋት ክብል ኣስማተን ካብ ምርቋሕ ተቖጢበ ኣለኹ፡፡ ዝኸበርክን ኣሓት ኣብ ዘለኽን ሃሊኽን ብ Inbox ክትረኽባኒ ይጽበ፡፡) ብተመሳሳሊ ኣብ ኣስመራ ክልተ ትሕቲ ዕደመ ኣዋልድ ብግዝያዊ ረብሓ ኣታሊሉ ኣጥኒሱ ብሕቡእ ከውርዳ ገይርወን እዩ፡፡ (ነዚ ጉዳይ ትፍልጡ ደቂ ኣስመራ ብፍላይ ደቂ ገዛ ማንዳ ብ Inbox ክትረኽቡኒ ይጽበ፡፡)
4. ጀነራል ፍሊጶስ ልዕሊ ዝኾነ ዝዓበየ ምንጪ ኣታዊታቱ ኣብ ትሕቲኡ ካብ ዘማሓድረን ቤት ማእሰርታት ዝረኽቦ እዩ፡፡ ኣብ ትሕቲኡ ዝርከባ ካብተን ዜጋታትና ዘሳቐያ ቤት ማእሰርታት ዓዲ ኣቤቶ፡ ማይስርዋ፡ ዓላ፡ ዓዲንፋስን ካልኦትን ዝቕየዱ እሱራት ብስም መርመራ በዓል መርማሪ ሜጀር ብርሃነ ከበደ (ወዲ ከበደ)፡ ካሕሳይ፡ ሚኪኤለ ኢሳቕን ካልኦትን መሰረት ብምግባር ብመልክዕ ህያብ፡ ትሕጃ (ዋሕስ) ማእለያ ዘይብሉ ኣታዊታት ከምዘለዎ ይፍለጥ፡፡

ድሕሪ ቀይዲ ጴጥሮስን ብጾቱን ስልጣኑን ጅብኡን ዘርጎደ ፍሊጶስ ብርክት ዝበሉ ዜጋታት ከም ተንኮለኛን ኣርሒቑ ዝእምትን ገይሮም ይሓስብዎ፡፡ ኢሳይያስ ‘ውን ማዕረኡ ሰብ ከጋፍዕን ማእለያ ዘይብሉ ጸጋታት ሃገር ክግሕጥን እንዳረኣየ ከምዘይረኣየ ዓገብ ከይበሎ እኳ ደኣስ ስልጣን እንዳወሰኾ ይርከብ፡፡ ግን ብሕቡእ ምስ ፍሊጶስ ምጉርፋጥ ዘለዎም ከም በዓል ብ/ጀነራል ተኽለ ማንጁስ፡ ብ/ጀነራል ኣብርሃለይ ክፍለ፡ ኮ/ል ዮናስ ብጹእኣምላክን ሌ/ኮ ሓድሽ ወለላን ብተናጸል መዲቡ ይጸናጸኖ እዩ፡፡ ንኹሉ ፍልፍል ኣታዊታት ተጠቒሙ ኣብ ሃገርና ኣብዚ እዋን”ዚ ንሱን ስድራቤቱን ልዕሊ ሰቦም ይነብሩ ኣለዉ፡፡

ብኣንጻሩ ኤርትራ ኣፍ ኣውጺኣ ተትምስክር ብኣበርክትኡን ብሃገራውነቱን ልዕሊ ፍሊጶስ ዘገልገላ ጴጥሮስ ሰለሙንን ስድራቤቱን ታሪኾም ተረሲዑ ወለዲ ናብ ጉድጓድ ውላድ ናብ ስደት ዘምርሕሉ ዘሕዝን ታኽሪ ተራኢዩ፡፡
ፍሊጶስን ጴጥሮስን ነፍሰወከፎም 4 እዮም ወሊዶም፡፡ ክልቲኦም ስምኦን ዝኣስማቶም ኣወዳት ኣለውዎም፡፡ ወለዲ ጴጥሮስ ሰለሙን (ኣቦይ ሰለሙን ተኽለን ወ/ሮ ምሕረት ገብረሚካኤልን) ንናጽነት ኤርትራ ክልተ ኣወፊዮም ሃናን ጴጥሮስን፡፡ ሃና ሰለሙን ቅድሚ ናጽነት ተሰዊኣ፡፡ ሳራን ሳባን ዝበሃላ ኣሕዋቱ ኣብ ትሕቲ ስውር ክትትል ሃገራዊ ድሕነት ኮይነን ከምዘይ ዜጋታት ተሸቂሪረን ይነብራ ኣለዋ፡፡ ኣስቴር ሰለሙን ኣብ 2002 ብሜጀር ዓንደ ግደወልድ (ወዲ ጅዱ) ኣብ ወኪል ሃ/ድሕነት ሓላፊ ኣካል ሓለዋ ላዕለዎት ሰበስልጣናትን ትካላትን ዝምርሑ ኣባላት ስውር ክትትል ክገብሩላ ድሕሪ ምጽንሖም ኣብ 2002 ካብ ሃገር ወጺኣ ተሰዲዳ፡፡ ኤልሳ ሰለሙን ትበሃል ሓፍቱ ውን ኣብ ስደት ትርከብ፡፡
ኣብ ጸብጻባት ሃ/ድሕነት ከምተገልጸ (ክትእሰር ከላ ጓል 44 ዓመት) ሎሚ ጓል 58 ዓመት ዝኾነት በዓልቲ ቤቱ ንጴጥሮስ ሰለሙን ተጋዳሊት ኣስቴር የውሃንስ መብራህቱ ኣብ 1980ታት ናብ ህ.ግ ዝተሰለፈት እያ፡፡ ድሕሪ ናጽነት ተፋንያ ኣብ ሚኒስትሪ ሃብቲ ዓሳ ተመዲባ ነይራ፡፡ ንዝለዓለ ትምህርቲ ኣመሪካ ከይዳ ተማሂራ ምስተመልሰት ብዕለት 11/12/2003 ካብ ኣህጉራዊ መዕርፎ ነፈርቲ ፍዮሪ ሒዞም ዝጽበዩዋ ደቃ ገጽንገጽ ከይተራኸበት ገና ካብ ነፋሪት ምስወረደት ብኮ/ል የማነ ኣፈወርቂ ብዝተኣዘዙ 4 ኣባላት ሃ/ድሕነት ብመኪና ተዓፊና ተወሲዳ፡፡ ኣብዛ ዕለት ዓፊኖም ዝወሰድዋ ኣባላት ዓፈናን ስጉምትን ወኪል ሃ/ድሕነት ብሜጀር ነጋሲ ኪዳነ ትምራሕን ኣብ ቅትለት ኢትዮጵውያን ልዑል ተራ ዝነበሮ በርሀ ባሻይ (ወዲ ባሻይ)ን ዝርከብዋ ጉጅለ እያ፡፡

ኩነታት ተጋዳሊት ኣስቴር ዮውሃንስ ኣብ ካርሸሊ፡

ኣብ ዝተኣሰረትሉ ሰሙን ብሜጀር ካሕሳይ በየነ መርመራ ተገይሩላ እዩ፡፡ ኣብ እዋን መርመራ ብልዑል ርእሰ ተኣማንነት “ሰብኣየይ ኣሲርኩም ደቀይ በይኖም ስለዝተረፉ ሃገረይ ከገልግልን ደቀይ ከናብን መጺአ” እንዳበለት ንመርማሪ ወዲበየነ ትምልሰሉ ነይራ፡፡ ናብ ካርሸሊ ሼላ ቁጽሪ 31 ምስተደርበየት ግን ሓያል ስንባደን ጸቅጢን ገይራ፡፡ “ከምዚ ድዩ ህዝባዊ ግንባር! ነዚ ዲና ተጋዲልና!!” እናደበለት ክተማርርን ክትበክን ጀሚራ፡፡ ኣስቴር ንፈለማ ሒደት ዓመታት ምስ ሞራላ ተስፋ ኣይቆረጸትን ነይራ፡፡ ቀስበቀስ ግን ዓመታት እንዳወሰኸ ናብራ ካርሸሊ እንዳመረረ፡ ይትረፍ ንወዲ ኣዳም ንሰይጣን ኳ ዘይትመነዮ ብጀካ ማይ ዝበዝሖ ዓደስን ዝነቀጸ ባንን ካብ ዓይነታት ምግቢ ተሓሪማ፡ ብጀካ ሓንቲ ሓሙስ መዓልቲ ካብ ደገ ዝኣተወላ ክዳን ካልእ ቅያር ልብሲ ዘይብላ፡ ብመቑነን ካብ ዝተመደበላ ብጀካ ናይ 15 ደቓይቕ ጸሓይ ብርሃን ዝተሓረማ፡ ኩሉሻዕ ኣብ ጸልማት ገዛ ትነብር ንጨና ዝኾና መታዕልልቲ ዘይብላ፡ ከም ጓል ኣነስተይቲ ንጽሬት ደቂ ሂዋን ዘድሊ ዘይቀርበላ ቅይድቲ እያ፡፡

መብዛሕትና እቲ ቀደም እንፈልጦ ውቅብ መልክዓን ምስላን ተደዊኑ ዘይሙሱል መሲላ ኣእሙርኣ ስሒታ ሌትን መዓልትን ብጀካ ኣውያትን ብኽያትን ካልእ የብላን፡፡ ከም ኣስቴር ሓሳባ ብኣግባቡ ክትገልጽ ዘይትኽእለሉ፡ ሓሓሊፉ ዕርቃና ትወጸሉ፡ በይና እንዳተዛረበት ለይትን ቀትርን ብንብዓት እንዳተሓጸበት ብእህህታን ስቓይን ግዳይ ዝተፈላለዩ ሕማማት ኮይና ኣብዚ እዋን ንህይወታ ኣብ ኣሰካፊ ኩነታት ትርከብ፡፡ መቸስ ፈጣሪ ኢልዎ ዝወረዳ ስቓይን መከራን ንህዝባ ትገልጸሉ፡ ብዘይ ወለዲ ዝተረፉ ደቃ ትሓቕፎሉ ግዜ ይሃባ፡፡

ኣብ ቀረባ ብፈላይ ደድሕሪ ተቓዉሞታት ጀነቫ ኣብ ቤ/ጽ ፕረሲደንትን ላዕለዎት ሓለፍትን ሓያል ሻቕሎት ስለተፈጠረ ኣብ ልዕሊ “መንግስቲ ኤርትራ” ብባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ንዝተወሰኑ ውሳነታትን ዝተዘርግሑ ጽሑፋትን ከም መወከሲ ኣብ ደገ ዝነብሩ ደቂ አባላት ጉጅለ-15 ስለዝጥቀሙ “ስድራቤት ኣባላት “ጉጅለ-15” ሃለዋቶም ይጸንዑ” ዝብል መምርሒ ስለዝወረደ ኣብ ወኪል ሃ/ድሕነት ውሽጣዊ ጸጥታ ሓለፍቲ ክፍሊ ሓበሬታን መጽናዕትን ኮ/ል ኣማኒኤል ልጃም (ወዲ ልጃም)ን ሜጀር ብርሃነ ምስግና (ባህሊ) ብዝመርሕዎም ኣባላት መጽናዕቲ ተኻይዱ፡፡ ብውጽኢቱ ደቂ ጴጥሮስ ሰለሙን፡ (ዘርኣይ ጴጥሮስ፡ ሃና ጴጥሮስ፡ መኣዛ ጴጥሮስን ስምኦን ጴጥሮስን) ሓዊሱ ልዕሊ 20 ዝኾኑ ስድራቤታት “ጉጅለ-15” ኣብ ቀረባ ካብ ሃገር ከምዝወጹ ተፈሊጡ፡፡ ኣብቲ ጸብጻብ ጓል መስፍን ሓጎስ (ኤልሳ መስፍን ሓጎስ) ኣብ ገለ እዋን ምስ ሓደ ዓርካ ንሱዳን ክተሰግር ተጠርጢራ ኣብ ጋሽ ባርካ ተታሒዛ ከይተኣስረት ኣጋጣሚ ንስራሕ ናብቲ ከባቢ ተንቀሳቒሱ ዝነበረ ጀነራል ስብሓት ኢፍሬም ሰሚ ከይትእሰር ምግባሩ ተጠቒሱ፡፡

ሎሚ ዘይከም ትማል ዘመን ተገምጢሉ፡ ኩሉ ተረሲዑ፡ ጥልመት ሳዕሪርዎ፡ እዋን ወጮ ተገምጠል ኮይኑ ሐደ ኣብ ጉድጓድ ሓደ ኣብ ምህዳድ ህዝቢ ይርከብ፡፡ ብተወፋይነት ተመሪሖምን መሪሖምን ተቓሊሶም ኣብ ምርግጋጽ ናጽነት ዘይትካእ ኣበርክቶ ዘወፈዩ ደቂ ህዝቢ “ስልጣን ካብ ኢድ ወልቀ መላኺ ናብ ህዝቢ ይሰጋገር” ስለዝበሉ ናብ መዓሙቕ ትሕቲ ምድሪ ተደርቢዮም ጠፊኦም፡፡ ስድራቤታቶም ከምዘይ፡፡ ሃገር ፋሕ ብትን ኣትዩዎም ግዳይ ስደት ኮይኖም፡፡ ብኣንጻሩ ኣብ ሃገርና ርኻብ ኢሳይያስ ረጊጾም ኣብ ኮረሻ ስልጣን ተኾይጦም ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዝዕንድሩ ዘለዉ ከም በዓል ፍሊጶስ ዝኣመሰሉ ሒደት ሓለፍቲ ናይ ትማል ረሲዖም ህዝብን ሃገርን ናብ ድቕድቕ ጸልማት ይሽምምዎ ኣለው፡፡

ስለ ሃገር ዝተበጀው ትሕቲ ምድሪ ኣሰፊሮም፡ ሕድሪ ስወኣትና ተጠሊሙ፡፡ ጀነራል ፍሊጶስ ብስም ሃገር እንዳሸቀጠ ካብዝን ካብትን ብዝገበቶ ንዋት ሃገር ንሱን ስድራቤቱን ልዕሊ ሰቦም ኣብ ዉሽጢን ወጻኢን ይነብሩ ኣለው፡፡ባዕሎም ዘውጽዎ ሕጊ ኣይምልከቶምን ፡ኣብ ዉሽጢን ወጻኢን እንዳተመላለሱ ኣብ star hotels እንዳተዘናግዑ፡ ከምድላዮም እንዳተማሃሩ ይርከቡ፡፡ እምበኣር ንሎሚ ንምንጽጻር ኩነታት መነባብሮ ፍሊጶስን ጴጥሮስን ተወሳኺ መወከሲ ክኾነኩም ቀጺሉ ዝቐርብ ስእልታት ተዓዚበብኩም ፍርድኹም ሃቡ፡፡ ክቡራት ነበብቲ ደቂ ሓለፍቲ ብገበን ወለዶም ዋላ ተሓተቲ ኣይኩኑ ‘ምበር ብመለኸቲ ዝተዘምተ ሃብቲ ህዝቢን ሃገርን ገለ መዓልኡ ኣበይ ከምዝኾነ ንምግላጽ ይቐርቡ ምህላዎም ክሕብር ይፈቱ፡፡ to be continued....SHARE

ብደም ንጹሃን ዝሰወዱ ቀንዲ ሓለፍቲ ወኪል ሃገራዊ ድሕነት
ካብ ቃልሲ ንናጽነት ጀሚሩ ክሳብ እዚ ዘለናዮ ዘመን፡ ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ ዝደበየ፡ ቀንዲ ኣባጓይላ ገባሪ ሓዳጊ ሓደ ውልቀ ሰብ እዩ - ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡፡ ኣብ ምጽናት ወለዶታትናን ምብሕጓግ ክብርታት ሃገርናን ብመሪሕነት እቲ ኣባጓይላ ተኣዚዞም፡ ዝኾነ ይኹን ውሳነን ስጉምትን ዘተግብሩ ኣብ ትሕቲ ሃገራዊ ሓይሊ ዕማም ጸጥታ ተባሂሉ ዝስመ ዝተወደቡ 6 ሓለፍቲ ኣለው፡፡ ኣባላት’ዚ ኣካል ከኣ፡ ጀነራል ስብሓት ኢፍሬም፡ ጀነራል ፍሊጶስ ወልደዮውሃንስ፡ ብ/ጀነራል ኣብርሃ ካሳ፡ ብ/ጀነራል ስምኦን ገብረድንግል፡ ኣቶ የማነ ገብረኣብን ኮሎ/ተስፋልደት ወልደስላሰን’ዮም፡፡
እዞም ብደም ንጹሃን ዝሰወዱ ቀንዲ መራሕቲ፡ ዋላ’ኳ ኣብ ፖለቲካዊ፡ ወተሃደራዊ፡ ጸጥታዊን ምምሕዳራዊ ተፈላለየ ጽፍሕታት መንግስቲ ብሓላፍነት ተመዲቦም ክሰርሑ ብወግዒ ዝተመደቡ እንተኾኑ፡ ካብ ዝኾነ ይኹን ንላዕሊ ግን ብኢሳይያስ ኣብ ዝምራሕ ሕቡእ ሓይሊ ዕማም ጸጥታ ተወዲቦም ስትራተጅካዊ ውሳነታት ዘተግብሩ መትኒ ጉጅለ ኢሳይያስ’ዮም፡፡ ኣብ ሃርና ብስም ምውሓስ ሃገራዊ ጸጥታ ዝነጥፍ ወኪል ሃገራዊ ድሕነት ዝበሃል ትካል ከምዘሎ ይፍለጥ፡፡
ኣብ ዝኾነ ይኹን ሃገር ናይ ሃገራትን ህዝብታትን ሃገራዊ ረብሓን ጸጥታን ንምውሓስ (National Interest & National Security) ሓላፍነት ዝተውሃቦ ሕጋዊ ጸጥታዊ ትካል ክህሉ ንቡር እዩ፡፡ ኪኖ እዚ ዕላማ ኣንጻር ዜጋታትናን ታሪኽናን ዝቖመ ወኪል ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ብውሽጡ ብዙሕ ናይ ክፍኣትን ጥፍኣትን ሚስጢራት ዝሓዘ ትካል እዩ፡፡ ኣብ ትሕቲ’ዚ ትካል ከኣ ክፍሊ ሓይልታት ጸጥታን ፖሊስን ኤርትራ፡ ክፍሊ ወጻኢ ስለያ፡ ክፍሊ ጠላፋ (ባዶ 2)ን ክፍሊ ወተሃደራዊ ስለያን ዝበሃል ኣወዳድባ ኣሎ፡፡ ነዘን ዝተጠቕሳ ክፍልታት ዝመርሑ ቀንዲ ሓራምዝ ንሎሚ ብዝተወሰነ ደረጃ ከላልየኩም እፈቱ፡፡
ኣብ ወኪል ሃገራዊ ድሕነት ኣብ ዝተፈላለየ ጽፍሒታትን ውዳበታትን ተመዲቦም ኣብ ልዕሊ ህዝብና ማእለያ ዘይብሉ ግፍዒ፡ ስቓይን ኣደራዕን ዘብጽሑ ዘለው ብደም ዝተሓጸቡ ቀንዲ ገበኛታት ብስእሊ ተሰኒዩ ከምዚስዕብ ቀሪብልኩም ኣሎ፡፡

1. ብርጋዴር ጀነራል ኣብርሃ ካሳ (ወዲ ካሳ) ዕድመ ኣስታት 67 ኮይኑ ሓላፊ ወኪል ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ፡፡ ድሕሪ ናጽነት ክሳብ ሕጂ ኣብ ሃገርና ዝተፈጸመ ግህሰት ሰብኣዊን ደሞክራስያዊን መሰል ዜጋታትን ካልኦትን ዝለዓለ ሓላፍነት ዝስከም ካብቶም ቀንዲ ተሓተቲ ላዕለዎት ኣባላት ጉጅለ ኢሳይያስ ሓደ’ዩ፡፡
2. ብርጋዴር ጀነራል ስምኦን ገብረድንግል መዓሾ ብ1954 ተወሊዱ፡ ሓላፊ “ሓይልታት ፖሊስን ጸጥታን ኤርትራ” እዩ፡፡ ካብ 2010 ጂሚሩ ሓላፊ ፖሊስ፡ ኢሜግረሽን፡ ኣየር ሰኩሪቲ፡ ውሽጣዊ ጸጥታን ብምኻን ይሰርሕ፡፡ ድሕሪ ናጽነት ክሳብ ሕጂ ኣብ ሃገርና ዝተፈጸመ ግህሰት ሰብኣዊን ደሞክራስያዊን መሰላት ዝለዓለ ሓላፍነት ዝስከም ካብቶም ቀንዲ ተሓተቲ ላዕለዎት ኣባላት ጉጅለ ኢሳይያስ ሓደ’ዩ፡፡ ኣብ ትሕቲ ብ/ጀ ስምኦን ኮይኖም ብስም ሃገራዊ ጸጥታ ንዝውሰኑ ውሳነታት ተቐቢሎም ዘተግብሩን ዝፍጽሙን ቀንዲ ሓለፍቲ ክፍሊ ውሽጣዊ ጸጥታ ከኣ ዝስዕቡ’ዮም፡፡
• ኮሎ/ወልደዝጊ ባህታ
• ኮሎ/የማነ ኣፈወርቂ (ወዲ ኣፈወርቂ)
• ኮሎ/ካሕሳይ በየነ (ወዲ በየነ)
• ሌ/ኮ ፍጹም የውሃንስ
• ኮሎ/ የማነ ዓንደማርያም (ሶኮሎቭ)፡

3. ኮሎ/ ጋይም ተሳፋሚካኤል- ዕድመ 59 ዓመት፡፡ ኣብ ወኪል ሃገራዊ ድሕነት ሓላፊ ወጻእ ስለያ’ዩ፡፡ ንሶማላዊ ጉጅለ ኣልሸባብ ብምድጋፍ ብዝነበሮ ልዑል ተራ፡ ሃገርና ንተደጋጋሚ እገዳ ካብቶም ዝሸመሙ ሓለፍቲ እዩ፡፡ ኣብ ተፈላለዩ ሃገራት ኣንጻር ጉጅለ ኢሳይያስ ዝካየዱ ተቓዉሞታት ሰባት ብምውዳብን ስልኳታት ብምክያድ ናይ ምብትታንን ምብርዓንን ተልእኾ ዝተውሃቦን ዘፈጽምን ሓላፊ’ዩ፡፡ ኣብ ወጻእ ካብ ማሕበረ ኮም፡ YPFDJ፡ ሃማደኤ ካልኦት ውዳበታትን ሰባት ብምውዳብን ብምውፋርን፡ ብሓደ ወገን ነተን ማሕበራት ብሕቡእ ክስልዩ ብካልእ ወገን ድማ ኣብ ልዕሊ ደምበ ተቓዉሞታት ካብ ደገን ካብ ውሽጢን ሰባት ብምውዳብ ይሓናኽር፡፡ ብተወሳኺ ኣብ ሶሻል ሚዲያ (Facebook, Twitter, pal talk and websites) ዝተፈላለየ ኣካውንት ከፊቶም ንምንቅስቓሳትን ተቓዉሞታትን ደለይቲ ፍትሒ ዘዛብዑ፡ ዘይተገብረ ከምዝተገብረ ኣምሲሎም ንህዝብና ዘደናግሩ፡ ኣብ ልዕሊ መሪሕት ተቓወምቲ ቀጻሊ ጸለመታት ዘካይዱ ሕቡኣት ኣባላት ዝውድብ፡ ዘዋፍር፡ ባጀት ዝስልዕ፡ ዝከታተል ላዕለዋይ ሓላፊ እዩ፡፡
ብመሰረት’ዚ ኣብ ትሕቲ ጨንፈር ወጻኢ ስለያ ዝእለያን ዝምአከላን ዝተፈላለየ መደባት “መንግስቲ” ዘተግብራ ኣስታት 7 websiteታትን ብኣማኢት ዝቑጸሩ ተጠቀምቲ ሶሻል ሚዲያታት ኣለው፡፡ ኩቡራት ነበብቲ ብዛዕባ’ዞም ኣብ ውሽጥን ወጻእን ኮይኖም ኣብ ትሕቲ ጭንፈር ወጻእ ስለያ ተወዲቦም ዝነጥፉ ሰባት ዝርዝር ኩነታት ሓደ መዓልቲ ከቕርበልኩም ቃል ይኣቱ፡፡
4. ኮሎ/ ኣስመላሽ ገብረመስቀል ወልደገብሪኤል (ወዲሓፍቲ) ሓላፊ ወኪል ሃ/ድሕነት/ ስለያ ምክልኻል እዩ፡፡ ኣብ ማእከላይ ቤ/ጽ ሚ/ሪ ምክልኻል ዝርከብ ሰነዳት ከምዝሕብሮ ውልቃዊ ኦርኒክ ወዲ ሓፍቲ ወታ. ቁጽሪ 755297 ፡ ዕለት ልደት 15.01.1954፡ መዓርግ ኮሎኔል 2 ደረጃ ትምህርቲ መሃይም ከምዝኾነ የረጋግጽ፡፡ እዚ ሰብ’ዚ ብእንዳ ስለያ ዝፍለጡ ብርክት ዝበሉ ወተሃደራዊ ቤት ማእሰርታት ላዕለዋይ ሓላፊ ኮይኑ ኣብኣተን ንዝፍጸም ማእለያ ዘይብሎም ግፍዕታትን ስቅያትን ካብቶም ቀንዲ ተሓታቲ ሓደ’ዩ፡፡
5. ኮሎ/ ማና ኣርአያ ጋርዛ ኣብ ወኪል ሃገራዊ ድሕነት/ ስለያ ምክልኻል ከም ምክትል ኣዛዝን ሓላፊ ምምሕዳርን እዩ፡፡ ኣብ ማእከላይ ቤ/ጽ ሚ/ሪ ምክልኻል ዝርከቡ ሰነዳት ከምዝሕብርዎ ውልቃዊ ኦርኒኩ ወታ. ቁጽሪ 773403 ፡ ዕለት ልደቱ 01.05.1950፡ መዓርጉ ኮሎኔል 2 ደረጃ ትምህርቱ ከኣ ቀዳማይ ዓመት ዩኒቨርስቲ ከምዘቋረጸ የረጋግጽ፡፡ እዚ ሰብ’ዚ ብስም እንዳ ስለያ ዝፍለጡ ወተሃደራዊ ቤት ማእሰርታት ኣብ ልዕሊ ዜጋታትና ዝፍጸሙ ማእለያ ዘይብሎም ግፍዕታት ካብቶም ቀንዲ ተሓታቲ ሓደ እዩ፡፡ ኮሎ/ ወዲ ሓፍትን ማና ኣርአያን ማእከላይ ቤ/ጽ ምስ ብ/ጀ ኣብርሃ ካሳ ኣብ ቤት ገርግሽ ይርከብ፡፡ ኣብ ቀጽሪ ቤ/ገርግሽ ፍሉይ መርመራ ዘካይድሉ underground ቤት ማእሰርቲ ኣሎ፡፡

6. ኮሎ/ ዮናስ ብጹኣምላክ ወልደኣብ ኣብ ትሕቲ ወኪል ሃ/ድሕነት ከም ሓላፊ ምክትታል ዶባት ኮይኑ ብቀጥታ ምስ ብ/ጀ ኣብርሃ ካሳ፡ ብ/ጀ ተኽለ ማንጁስ፡ ሓሓሊፉ እውን ምስ ፕረሲደንት ኢሳይያስ ይራኸብ፡፡ ኣብ ማእከላይ ቤ/ጽ ሚ/ሪ ምክልኻል ዝርከብ ሰነዳት ከምዝሕብሮ ውልቃዊ ኦርኒኩ ወታ. ቁጽሪ 7712003 ፡ ዕለት ልደቱ 16.06.1960፡ መዓርግ ኮሎኔል 3 ደረጃ ትምህርቲ ካልኣይ ዓመት ዩኒቨርስቲ ከምዘቋረጸ የረጋግጽ፡፡ እዚ ሰብ እዚ ብስም ስልኳን ስለያን ኣብ ዶባት ዝተረኸቡ ዜጋታትና ብምእሳርን ብምዕፋንን ማእለያ ዘይብሎም ግፍዕታት ዘወብጸሐን ቅትለት ዝፍጽምን ሰብ እዩ፡፡ ምስ ብርጋዴር ጀነራል ተኽለ ክፍላይ (ማንጁስ) ብምኻን ኣብ ትሕቲ ምክትታል ዶባት ዝርከባ ቤት ማእሰርታት ከም በዓል ኣደርሰር፡ ተሰነይ፡ ሓሽፈራይን ከረንን ዝተፈላለየ ግፍዕታት የውርድ፡፡ ንተቓወምቲውድባት ኢትዮጵያ ኣብ ምውሃህድን ምውዳብን ይሰርሕ፡፡ ኣብ ኣስመራ ኮይኑ ብቋንቋ ኣምሓርኛ ኣንጻር መንግስትን ህዝብን ኢትዮጵያን ዝተፈላለየ ጽሑፋት ዝጽሕፍ ተስፋይ ገብረኣብ ንዝተብሃለ ደራሲ ንጓሉ ኣመርዒይዎ ኣሎ፡፡ ተወሳኺ ኮሎ/ ዮናስ ብጹእ ኣምላክ ኣብ ዶባት ኤርትራን ሱዳንን ዝርከቡ ዜጋታት ብምዕፋን ብወዲ ያይ ዝምራሕ ዝነበረ ኣብ ዞባ ዓንሰባ ንኡስ ዞባ ሃበሮ ዝርከብ ሕቡእ ቤት ማእሰርቲ ሃገራዊ ይቕይድን የጥፍእን ነይሩ፡፡ ሓላፊ ወኪል ሃ/ድሕነት ንኡስ ዞባ ሃበሮ ዝነበረ ወዲ ያይ ክሳብ ዕለተ ሞቱ ንሙሉእ ህዝቢ ንኡስ ዞባ ሃበሮ ዘንጸርጸረ በዓል ክፋእ ግብሪ ተለኣኣኺ ጉጅለ ኢሳይያስ ምንባሩ ይዝከር፡፡

7. ሌ/ኮ ፍጹም ዮውሃንስ ኣብ ወኪል ሃገራዊ ድሕነት ክፍሊ ውሽጣዊ ስለያ ሓላፊ ሕቡእ ዓፈናን ስጉምትን እዩ፡፡ ኣብ ትሕቲኡ ካፒተን ሽደን መለስ ዝበሃል ካልኣይ ሓላፊ ኣለዎ፡፡ ኣብ ትሕቲ ኣካል ሕቡእ ዓፈናን ስጉምትን ዝርከቡ መራሕቲ መሳርዕ፡
• ሰርጌንቲ ሃብተኣብ ኣዋጁ (ወዲ ኣዋጁ)፡
• ሰርጌንተ ዓንዳይ መንግስትኣብ
• ሰርጌንተ ግርማይ ገብረስላሰ (ኣብ ቀረባ ዝተቐየረ) ኮይኖም ኣብ ትሕቲኦም ኣስታት 30 ኣባላት ዘለውዋ ሕብእቲ ናይ ዓፈናን ስጉምትን ኣሃዱ’ያ፡፡ እዛ ኣሃዱ ካብ 2000 ጀሚራ ዝቖመት ኮይና ኣብ ኣስመራን ካልኦት ከባቢታት ሃገርናን ብስውር ዝተወስዱ፡ ብጸላም ዝጠፍኡ፡ ዝተሓነቁን ሃለዋቶም ዘይፍለጡን ዜጋታት ዘጽነተት ኣሃዱ’ያ፡፡
8. ሌ/ኮ ፍጹም ዮውሃንስ ዝመርሓ ኣሃዱ ኣብ ውሽጢ ወኪል ሃ/ድሕነት ካብ ዝርከባ ክፍልታት ፍልይ ዘብላ ኣብ ኣዚዩ ሚስጢራዊነትን ተኣማኒንትን ዝሓትት ልኡኽ ስለ ትነጥፍን ብቀጥታ ምስ ፕረሲዳንት ኢሳይያስ፡ ኣብርሃ ካሳን ስምኦን ገብረድንግልን ስለ ትራኸብን’ዩ፡፡ ንኣብነት ካብ 2000 ጀሚሩ፡ ኣብ ምእሳር ኣባላት ጉጅለ 15፡ ኣብ ቅንጸላ መሓመድ ሓጎስ (እንዳ ኦሞ)፡ ኣብ ምክትታልን ምዕፋንን ፍቕረን ሳምሶን (ወዲ ቀሺ)፡ ኣብ ምልቃምን ምቕያድን ኣባላት ስርሒት ፎርቶ ጥሪ 21/2013፡ ብሓፈሻ ኣብ ሃገርና ብርክት ዝበሉ ብፖለቲካ ተጠርጢሮም ተዓፊኖም ሃለዋቶም ዝጠፍኡ ዜጋታት በዛ ስውርቲ ኣሃዱ ዝተፈጸመ ’ዩ፡፡
9. ሜጀር ካሕሳይ በየነ (ወዲ በየነ) - ኣባል ሓለዋ ሳውራን እንዳ 72 ኔሩ፡ ኣብ ወኪል ሃገራዊ ድሕነት ሓላፊ ኣካል ምርመራን ምጽራይን እዩ፡፡ ሜጀር ወዲ በየነ ካብ 1990ታት ጀሚሩ ብውሽጣዊ ጉዳያትን ወኪል ሃገራዊ ድሕነትን ኣብ ዝተፈጸሙ ክፋእ ተግባራት ኩሉ ዝሳተፍ ቀንዲ መርማሪን ወሳኒን እዩ፡፡ ወዲ በየነ ኣብ ምርሻን እውን ቀጥታ ዝሳተፍ ኢዱ ብደም ንጹሃት ዝተሓጽበ ሰብ’ዩ፡፡

ካብ 2002 ክሳብ 2006 ኣብ ካርሸሊ ብስም ኣኽራርነት ተጠርጢሮም ካብ ዓዲ ቀይሕ፡ ከረን፡ እንዳ ዜና፡ እንዳ ፖሊስ፡ ካብ ባህላዊ ጉዳያት ህግደፍ ዝተዓፈኑ 13 ዜጋታት፡ ኣብ ሓደ ለይቲ ኣብ ከባቢ ጋሕቴላይ ማይ ኣጣል ዝተረሸኑ 7 ዜጋታት ካብ ኢሳይያስን ብ/ጀ ኣብርሃ ካሳን መምርሒ ተቐቢሉ ዘፈጸመ ’ዩ፡፡ (ብዛዕባ’ዚ ጉዳይ ዝምልከት ዝርዝር ኩናት ኣብ ቀጻሊ ከቕርበልኩም’የ)፡፡ ኣብ 2006 ብትእዛዝ ወዲ በየነ ኣብ ማይ ኣጣል (ከባቢ ጋሕቴላይ) ኣብ ሓደ ለይቲ ብድምጺ ኣልቦ ብረት ተረሺኖም ኣብ ሓደ ጋህሲ ካብ ዝተቐብሩ፡ ኣባል ፖሊስ ኤርትራ ነበር ሸልሸል፡ እቲ ህቡብ ደራፋይ (ትግረ) እድሪስ መሓመድ ዓሊን ሲዲግ ዝተብሃለ ካብ ባረንቱ ዝመጸ ዜጋን ከም ኣብነት ምግለጽ ይከኣል፡፡

ብወዲ በየነ ትምራሕ ኣካል መርመራን ምጽራይን ብቐንዱ ብጉዳይ ፖለቲካ ዝተጠርጠሩ ኣብ መርመራን ስጉምቲ ምውሳድን ትሳተፍ ነይራ፡፡ ቅድሚ ተወሰነ ዓመታት ግን እቲ መስርሕ ምዕፋንን ርሸናን ብሌ/ኮ ፍጹም ዮውሃንስ ትምራሕ ኣሃዱ ክፍጸም ተገይሩ ኣሎ፡፡ ብወዲ በየነ ዝምርሑ ኣባላት መርመርቲ ምስ ህዝቢ ጥቡቕ ርክብ ከይገብሩ፡ ሚስጢራዊ ኣካይዳ ክጥቀሙ መመርሒ ዝተውሃቡን ተፈላለየ ናይ ሽፋን ታሴራ ዝተዓደሎምን ’ዮም፡፡ ኣብ ትሕቲ ሜጀር ካሕሳይ በየነ (ወዲ በየነ) ካብ ዝነጥፉ ቀንዲ እሙናት መርመርቲ፡-
• ዓብደል ሓሚድ መሓመድ መርማሪ ጥርጡራት ፖለቲካ ብቋንቋን ትግረን ዓረብን
• መጀር ፍስሃ መርማሪ ላዕለዎት ጥርጡራት ፖለቲካ
• መጀር ተወልደ (ራሻይዳ) መርማሪ ጥርጡራት ፖለቲካ
• ንጉሰ (ወዲ ዓዲቀ ዕባይ ቤ/ት/ሳውራ ኣብ ሓይልታት ምክልኻል ስታፍ ፐርሰናል ዝነበረ) መርማሪ
• በረኸት ጉዕሽ (ወዲ ጉዕሽ) ኣብ ፊት ኒያላ ሆቴል ዝርከብ ቤ/ጽ ዝነበረ መርመሪ ፖለቲካን “ብልሽውና ” ን
• ፍጹም (ወዲ ዒላ በርዕድ) መርማሪ
• (ወዲ ከረን) መርማሪ ጥርጡራት ብልሽውና
• ዮሴፍ፡ መርማሪ
• ተወልደ ሃይለን ካልኦትን ይርከብዎም፡፡
10. ኮሎ/ዮሴፍ ጸጋይ (ኣርከበ ወይ መምህር) ኣብ ወኪል ሃገራዊ ድሕነት ኣብ ጨንፈር ውሽጣዊ ጸጥታ ሓላፊ ወፍርታት ሃይማኖታዊ ጉዳያት እዩ፡፡ ኣብ ትሕቲኡ ካፒቴን ገነት ጸጋይ (ጓል ጸጋይ) ከም ምክትል ሓላፊት ኮይና ትነጥፍ ኣላ፡፡ በዚ ኣካል እዚ ካብ መላእ ሃገር፡ ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት ብስም “ሃይማኖታዊ ጥሩፍነት”፡ “መንፈስ”፡ ኣኽራርነት ተዓፊኖም ድሕሪ ምውሳድ ደሃዮም ዝጠፍኡ ኣመንቲ ሃይማኖት ብዙሓት’ዮም፡፡ ከም ኣብነት ብ1996/97 ካብ መላእ ሃገር ሰሌዳ ብዘይብለን መካይን ብጸላም ተዓፊኖም ዝተወስዱ ኣመንቲ እስልምና፡ ድሕሪ 1998 ዝተኣሰሩን ክሳብ ሕጂ ተዓፊኖም ደሃዮም ዘጥፍኡን ካብ ኣመንቲ ኦርቶደኩስ ፓትሪያሪክ ኤርትራ ኣቡነ ኣንጤንዮስ: ካብ ፕሮቴስታንት ከም በዓል ዶ/ር ፍጽምብርሃን ገብረንጉስ፡ ዶ/ር ክፍሉ ገብረመስቀል፡ ዶ/ር ተኽለ መንግስትኣብን ካልኦት ኣመንቲ መራሕቲ ሃይማኖትን ኣብ ምዕፋን፡ ምጽራይ፡ ምእሳርን ምሕቃቕን ዝለዓለ ሓላፍነት ዝተውሃቦ ኣካል ኮሎ/ዮሴፍ ጸጋይ (ኣርከበ) ዝመርሖ’ዩ፡፡

ብካልእ ወገን ኣብ ማእከላይ ቤ/ጽ ወኪል ሃ/ድሕነት ኮይኑ ብቀጥታ ብብ/ ጀነራል ኣብርሃ ካሳ (ወዲ ካሳ) ዝምራሕ ምክትታል ሃይማኖታዊ ጉዳያት ዝበሃል ጨንፈር ኣሎ፡፡ ሓላፊ እዛ ጨንፈር ሞሎቲ ቢራ ሒዙ ብስእሉ ትዕዘብዎ ዘለኹም፡ ኣባል እንዳ 72 ክፍሊ ኮማንዶ ነበር መጀር ያቆብ (ወዲ ቀሺ) እዩ፡፡
11. ኮሎ/ የማነ ኣፍወርቂ (ወዲ ኣፈወርቂ)፡ ኣብ እዋን ናጽነት ኣባል ከቢድ ብረት፡ ኣብ 80ታት ኣብ ጀርመን ንሕቡእ ስለያዊ ስራሕቲ ተዋፊሩ ነይሩ፡፡ ድሕሪ ናጽነት ድማ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያትን ወኪል ሃገራዊ ድሕነትን ኣብ ዝተፈላለዩ ጽፍሒታት ተመዲቡ ሰሪሑ፡፡

ኣብ “ወኪል ሃ/ድሕነት” ክፍሊ ውሽጣዊ ጸጥታ ሓላፊ ዞባ ማእከል፡ ሓላፊ ጸረ ስለያ፡ ቀጺሉ ከኣ ክሳብ ሕጂ ኣብ ውሽጣዊ ጸጥታ ሓላፊ ወፍሪ (ኦፕረሽን) ኮይኑ እንዳሰርሐ ይርከብ፡፡ ኮሎ/ ወዲ ኣፈወርቂ ኣዚዩ ተኣማንን ኣብ ተፈላለዩ ሕቡኣት ስርሒታት ዝተዋስአን ቀንዲ መጋበርያ ክፍእ ዝኾነ ሰብ እዩ፡፡ ንኣብነት ኣብ ምልቃም ጉጅለ-15፡ ካብ 2000 ጀሚሩ ኣብ መላእ ሃገር ብፍላይ ኣብ ኣስመራ ዝተፈጸሙ ዓፈና ዜጋታትን ወጻእተኛታትን ልዑል ተራ ካብ ዝነበሮም ላዕላዎት ሓለፍቲ ሃገራዊ ድሕነት ሓደ እዩ፡፡ ሓላፊ ወኪል ሃ/ድሕነት ዞባ ማእከል ኣብ ዝነበረሉ እዋን ኣብ ምቕያድ ሃፋትም፡ ጥርጡራት “ፖለቲካ”፡ ብምስምስ ዘይሕጋውነት ዝምታ ጸጋታት ውልቀ ሰባት (እንዳወርቂ፡ ኣባይቲ፡ ኣእካል …) “ኮንትሮባንድ” ን ሸርፍን ኣብ ምምራሕ ዕዙዝ ተራ ነይርዎ፡፡

ሓላፊ ግብረ ሽበራ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ዝደለዮ ናይ ሓሶት ሰሌዳታት እንዳጠቀዐ ብስም ጀሃድን ሓምሻይ መስርዕን ማእለያ ዘይብሎም ዜጋታት ኣጽኒቱ’ዩ፡፡
12. ሜጀር ነጋሲ ኪዳነ : ኣብ ወ/ሃ/ድሕነት ኣብ ትሕቲ ሓይልታት ጸጥታን ፖሊሰን ሓላፊ ጨንፈር ምክትታል ወጻእተኛታት’ዩ፡፡ ቀጥታዊ ርክቡ ምስ ወዲ ካሳ ኮይኑ ኣብ 2000 ድሕሪ “ሳልሳይ ወራር” ነበርቲ ኣስመራ ባረንቱ፡ ከረን፡ ዓዲ ቀይሕ፡ ደቂምሓረ፡ ባጽዕ፡ ዓሰብ ዝነበሩ ኢትዮጵያውያን “ምስ ወያነ ርክብ ኣለኩም” ብዝብል ምስምስ ኣብ ምልቃምን ምርሻንን ጠርናፊ ብምኻን ዕዙዝ ተሳትፎ ዝነበሮ ’ዩ፡፡ ኣብ ትሕቲኡ ተመዲቦም ካብ 2000 ጀሚሩ ኣብ ምርሻን ዜጋታት ኢትዮጵያን ሱዳንን (ኣብ 2006 ጥርጡራት ሱዳናውያን) ቀጥታ ዝተሳተፉ እሙናት ኣባላት ሃገራዊ ድሕነት
• ሜጀር ብርሃነ ግርሙ፡
• ሜጀር ወዲ ቢኒ፡
• ተለንተ በረኸት ሃብተ፡
• ሜጀር ሙሉጌታ ኣማረ (ሙለር)
• ካፒተን ጎይቶም ቀይሕ
• ም/ተለንተ መልኣከ ሓጎስ (ሊንጎ)
• ሰርጌንቲ ሃብተኣብ ኣዋጁ (ወዲ ኣዋጁ)
• ሰርጌንቲ ዓንዳይ መንግስትኣብ እዮም፡፡

13. ሜጀር ተኽለማርያም (ስኮጆ)፡ ኣብ ወ/ሃ/ድሕነት ጨንፈር ውሽጣዊ ጸጥታ ሓላፊ ክፍሊ ኮምፒተር እዩ፡፡ ዝኾነ ይኹን ብቴክኖሎጂ ዝእከብን ዝርከብን ሓበሬታ ኣብ ምውህሃድ ይነጥፍ፡፡ ኣብ ትሕቲኡ ብርክት ዝበሉ ኣባላት ኣለው፡፡ ፈለማ ምስ ወዲ ካሳ ኣብ ማእከላይ ቤ/ጽ ይሰርሕ ነይሩ፡፡ ንክልተ ግዜ ናብ ሃገረ ቻይና ተላኢኹ ኣብ ጁባ ዝሕባእን ኣብ መካይን ዝጥቃዕን መጸናጸኒ ምዕዝምዛማትን ዘረባታትን ህዝቢ ኣስመራ ቴክኒካዊ መሳርሒታት ዓዲጉ መጺኡ፡፡ ብፍላይ ኣብ ዝሓለፈ 10 ዓመታት ካብ ኣውቶቡሳት፡ ባራት፡ እንዳ ኮካ፡ “ፖለቲካ ተዛሪብኩም ንመንግስቲ ሓሚኹም” ተባሂሎም ብኣልማማ ዝተቐየዱ ዜጋታት ሜጀር ተኽለማርያም (ስኮጆ) ብዝመርሖም ኣባላት ተጠቋሞም ዝተቐየዱ ‘ዮም፡፡
…..ይቕጽል….. ከምቲ ልሙድ ነዛ ፔጅ Like & Share ብምግባር ኣብ መላእ ዓለም ንዘለው ዜጋታትና ክትበጽሕ እላ