መጋቢት 25፡ 2012 መበል 30 ዓመት ዝኽሪ ራሳይ
ኣብ ልዕሊ እታ 90% ደቂ ከበሳ ስለ ዝኸነት፤ ጀብሃ ፋሕ ንምባላ ኣብ ረሳይ ብእንዳ ዓብደላ፡ በዞም ሎሚ ከም ተዳሙን ንኪዳን  ዝመርሑ ዘለዉ መራሕቲ ጀበሃ-ነበር፡ ዝተወሰደ ናይ ዕለዋን ቅንጸላን ስጉምቲ፡፡
መልኣከ ኣብ ራሳይ ስዩም ኣብ አዲስ አበባ ተቐቲሎም  ሎሚ ኽኣ ኣብ ልዕሊ መስፍን 
ሓጎስ ኣብ ፕልቶክ ፖለቲካዊ ቅንጸላ ከካይድ ንርእን ንምስክርን ኣሎና።
ሹም ከም ዘይብሉ ንህቢ ፋሕ ንምባል?

 ንዝኽሪ’ታ መዓልቲ ሕፍረት፡ ንዝኽሪ’ቲ ተጋዳላይ
Thu, 22 Mar 2012 11:32:23 -0400

ከም ዝብሃል፡ ስዕረት ዘኽታም እያ። ፍሽለትን ምብትታንን ተሓኤ ከኣ ክሳብ ሕጂ ብዘኽታሙ ምህላው ክገርመና ኣይክእልን። ውድቀት ተሓኤ፡ ብፍላይ ነቶም ኣብ ተሓኤ ኣሚንናን ተወፊናን ዝተቓለስናን ዝሰዋእናን፡ ኣብ ፖለቲካዊ ቃልስና ዘጓነፈና ዝዓበየ ፖለቲካዊ ማዓት እዩ ነይሩ። ኣብ’ቲ ፖለቲካዊ ኣዱንያና ዝጸልመተትሉ እዋን ፍሽለትን ቅብጸትን፡ ኣብ ውልቃዊን ሓበራዊን ህይወት ካብ ስዕረትን መርሖ-ምጥፋእን ዝኸብድ ግድልን ብድሆን ከም ዘየለ ምስናይ ኩሉ ቃንዝኡ ተሞኪርናዮ ኢና። ዋላ’ኳ፡ ብታሪኻዊ መስፈሪ፡ ምስ’ቲ ፍልስጤማውያን ‘’ነክባ’’ (ዕንወት--Catastrophe) ኢሎም ዝገልጽዎ ናይ 1948 ስዕረትን ስደትን ፍጹም ዘይመዛዘን እንተዀነ፤ ንዓናስ ናይ’ታ ብፖለቲካዊ ግርህነትና ከም እንኮ ፖለቲካዊ ዓለምና እንኣምነላ ዝነበርና ጀብሃ ዓባይ ውድቀት፡ ፖለቲካዊ ዕንወት፡ ወረግ ንገለ-ገሌናስ ምጾታት ኰይኑ’ዩ ተሰሚዑና። ናይ ህዝቢ ኤርትራን ገድሉን ጽቡቕ ዕድል ኰይኑ ግን፡ ሰውራ ኤርትራ ቀጻልነቱን ዓወቱን ዘረጋግጸሉ መድሕንን መተካእታን ኣውሒሱ ነይሩ። ስለ’ዚ ውድቀት ጀብሃ ‘’ነክባ’’ ክኸውን ኣይክኣለን።

እዚ ናይ ቅድሚ ሳላሳ ዓመታት ታሪኽ’ዩ። ምስ ምሕላፍ ግዜ ድማ፡ እቲ ዝኽሪ እናሃሰሰ፡ ናብ ምሉእ ግርደት ተገማጊሙ ኣሎ። ታሪኽ ምርሳዕ፡ ብሕልፊ ከኣ ናይ ስዕረትን ውድቀትን ተመክሮ ምርሳዕ፡ ዕድኡ ከቢድ፡ ሳዕቤናቱን ሶሎሉኡን ድማ ሓደገኛን ዘይሓዊን ስለዝኾነ፡ ታሪኽ ምፍላጥን ምህሮታቱ ምስትውዓልን መድሕን ንዝሓሸ መጻኢ ኢዩ።

ከም ውልቅን እኩባትን፡ ነብሰ--ምክልኻል ባህሪና ስለ ዝዀነ፤ ስዕረትና፡ ጌጋታትና፡ ሕፍረትና ክንቅበልን ክንዝክርን ንጽገም ኢና። ኣብ ኩሉ ሰብኣዊ ትረኻታት፤ ዓወት፡ ኣሳልጦ፡ ሓበን ብወግዒ ይምጐስን ይጽንበልን፤ ስዕረት፡ ፍሽለት፡ ሕፍረት ድማ በንጻሩ ይኽወልን ይምኽነን፡ ስግሩ ከኣ ደይ መደይ ኢልካ ይርሳዕ ወይ ድማ ዝገደደ፡ ብሓሶት ዘይነበረ ታሪኽ ይፍብረክ እዩ። ኣባና’ውን ከምኡ ስለዝኾነ፡ እዚ ንዛረበሉ ዘሎና ጉዳይ ስዕረትን ምብትታንን ጀብሃ፡ መብዛሕትና ተሳተፍቱ ክንርስዖ ምምራጽና ንምርድኡ ኣየጸግምን።


ሑሰን ከሊፋ ብዝመርሐ ጉጅለ፡ ኣብ ራሳይ ኰፍ ኢሉ ኸሎ ብደሕሪቱ
መጀሙዕ ከላሽን ፈንዮም ዝቐነጸልዎ ጅግና ስዉእ ተጋዳይ መልኣከ ተኽለ።
ተጋዳላይ መልኣከ ተኽለ 1949-1982 (ኣብ ተሓኤ ብሓምለ 1971 ተሰሊፉ፡ ኣብ ካልኣይ ጉባኤ(1975) ኣብ ፈጻሚት ሽማግለ ተመሪጹ) 

 فى ذكرى ذلك الیوم المخزى ..

. ومن أجل ذكرى ذلك المناضل كما یقال ، تولد الھزیمة یتیمة ، لھذا لیس من المستغرب أن تصبح ھزیمة وتشتت جبھة التحریر الإرتریة یتیمة حتى الیوم . كان إنھیار جبھة التحریر الإرتریة بالنسبة لنا – خاصة من كنا نناضل ونضحى داخلھا بكل قناعة وتفانى وإخلاص – أكبر مصیبة سیاسیة تواجھنا فى نضالنا السیاسى . وقد خَبِرْنَا وأدركنا خلال تلك الفترة التى أظلمت فیھا دُنْیَانَا أو عالمنا السیاسى ، بأن الفشل والیأس الذى یمكن أن یواجھ المرء فى حیاتھ الخاصة والإجتماعیة یعتبر نضالاً وتحدیاً جسیماً لا یضاھیھ حتى الھزیمة وفقدان البوصلة التى تواجھ النضال المریر رغم كل آلامھ ومعاناتھ . ومع أن ذلك لا یمكن إطلاقاً تشبیھھ تاریخیا بنكبة وتشرد الفلسطینیین فى عام 1948 م ، إلا أن الھزیمة الكبرى التى حلت ب " جبھة عباى " (جبھة التحریر الإرتریة العظمى ) التى كنا - لسذاجتنا السیاسیة - نؤمن بأنھا عالمنا السیاسى الوحید ، كانت بمثابة كارثة سیاسیة بالنسبة لنا ، بل أن البعض منَا شعر أن یوم القیامة قد حلَ . لكن من حسن الحظ أن الشعب الإرترى وثورتھ