|
||
ንዝኽሪ’ታ መዓልቲ ሕፍረት፡ ንዝኽሪ’ቲ ተጋዳላይ ከም ዝብሃል፡ ስዕረት ዘኽታም እያ። ፍሽለትን ምብትታንን ተሓኤ ከኣ ክሳብ ሕጂ ብዘኽታሙ ምህላው ክገርመና ኣይክእልን። ውድቀት ተሓኤ፡ ብፍላይ ነቶም ኣብ ተሓኤ ኣሚንናን ተወፊናን ዝተቓለስናን ዝሰዋእናን፡ ኣብ ፖለቲካዊ ቃልስና ዘጓነፈና ዝዓበየ ፖለቲካዊ ማዓት እዩ ነይሩ። ኣብ’ቲ ፖለቲካዊ ኣዱንያና ዝጸልመተትሉ እዋን ፍሽለትን ቅብጸትን፡ ኣብ ውልቃዊን ሓበራዊን ህይወት ካብ ስዕረትን መርሖ-ምጥፋእን ዝኸብድ ግድልን ብድሆን ከም ዘየለ ምስናይ ኩሉ ቃንዝኡ ተሞኪርናዮ ኢና። ዋላ’ኳ፡ ብታሪኻዊ መስፈሪ፡ ምስ’ቲ ፍልስጤማውያን ‘’ነክባ’’ (ዕንወት--Catastrophe) ኢሎም ዝገልጽዎ ናይ 1948 ስዕረትን ስደትን ፍጹም ዘይመዛዘን እንተዀነ፤ ንዓናስ ናይ’ታ ብፖለቲካዊ ግርህነትና ከም እንኮ ፖለቲካዊ ዓለምና እንኣምነላ ዝነበርና ጀብሃ ዓባይ ውድቀት፡ ፖለቲካዊ ዕንወት፡ ወረግ ንገለ-ገሌናስ ምጾታት ኰይኑ’ዩ ተሰሚዑና። ናይ ህዝቢ ኤርትራን ገድሉን ጽቡቕ ዕድል ኰይኑ ግን፡ ሰውራ ኤርትራ ቀጻልነቱን ዓወቱን ዘረጋግጸሉ መድሕንን መተካእታን ኣውሒሱ ነይሩ። ስለ’ዚ ውድቀት ጀብሃ ‘’ነክባ’’ ክኸውን ኣይክኣለን። እዚ ናይ ቅድሚ ሳላሳ ዓመታት ታሪኽ’ዩ። ምስ ምሕላፍ ግዜ ድማ፡ እቲ ዝኽሪ እናሃሰሰ፡ ናብ ምሉእ ግርደት ተገማጊሙ ኣሎ። ታሪኽ ምርሳዕ፡ ብሕልፊ ከኣ ናይ ስዕረትን ውድቀትን ተመክሮ ምርሳዕ፡ ዕድኡ ከቢድ፡ ሳዕቤናቱን ሶሎሉኡን ድማ ሓደገኛን ዘይሓዊን ስለዝኾነ፡ ታሪኽ ምፍላጥን ምህሮታቱ ምስትውዓልን መድሕን ንዝሓሸ መጻኢ ኢዩ። ከም ውልቅን እኩባትን፡ ነብሰ--ምክልኻል ባህሪና ስለ ዝዀነ፤ ስዕረትና፡ ጌጋታትና፡ ሕፍረትና ክንቅበልን ክንዝክርን ንጽገም ኢና። ኣብ ኩሉ ሰብኣዊ ትረኻታት፤ ዓወት፡ ኣሳልጦ፡ ሓበን ብወግዒ ይምጐስን ይጽንበልን፤ ስዕረት፡ ፍሽለት፡ ሕፍረት ድማ በንጻሩ ይኽወልን ይምኽነን፡ ስግሩ ከኣ ደይ መደይ ኢልካ ይርሳዕ ወይ ድማ ዝገደደ፡ ብሓሶት ዘይነበረ ታሪኽ ይፍብረክ እዩ። ኣባና’ውን ከምኡ ስለዝኾነ፡ እዚ ንዛረበሉ ዘሎና ጉዳይ ስዕረትን ምብትታንን ጀብሃ፡ መብዛሕትና ተሳተፍቱ ክንርስዖ ምምራጽና ንምርድኡ ኣየጸግምን። |
|
فى ذكرى ذلك الیوم المخزى .. |