1.3 ዋሕዚ ሓድሽ ሓይሊን ስግኣት ዓብደላ እድሪስን


ካብ 1973 ክሳብ 1975 ዓ.ም. ኣብ ዝነበረ መድረኽ፣ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ብሓደስቲ ተጋደልቲ እናተዓብለለ እዩ መጺኡ። እዞም ተጋደልቲ እዚኣቶም ብሓያል ሃገራዊ ስምዒት ንናጽነት ክቃለሱ ዝመጹ፣ ኣብ ዝኾነ ድሑር ፖለቲካ ዘይተመራስሑ ንጹሃት መንእሰያት እዮም። ብዘይካ መስዋእቲ ከፊልካ ናጽነት ኤርትራ ምምጻእ ድማ፣ ካልእ ድጉል ተጻባኢ ዕላማን ድርኺትን ኣይነበሮምን። ይኹን እምበር፣ እዚ ምዕባለታት’ዚ ንዓብደላ እድሪስ ኣይተበርሆን። ካብቲ ድሑርን ወገናዊን ኣጠማምታኡ ዝብገስ፣ ነዞም ሓደስቲ ተጋደልቲ ፍጹም ኣይፈተዎምን። ብዓይኒ ጽልኢን ስግኣትን እዩ ጠሚትዎም። ከም ንኣሽቱ ኣሕዋቱ፣ ከም ወገኑን ጸግዑን ኣይርኣዮምን። ምኽንያቱ፣ እዞም ሓደስቲ ተጋደልቲ መብዛሕትኦም ተማሃሮ እዮም። ብዙሓት ካብኣቶም ድማ ደቂ ከበሳ። ዓብደላ እድሪስ፣ ምምጻእ ናይዚ ሓድሽ ሓይሊ ከቢድ ጥርጣረን ፍርሒን እዩ ኣሕዲሩሉ። እዚ ፍርሒን ስግኣትን’ዚ ድማ፣ ናብ ክቱር ጽልኢ ኣድሂብሉ። እዚ ሓድሽ ሓይሊ ብሸነኹ፣ ንወገናዊን ድሑርን ኣተሓሳስባ ዓብደላ
እድሪስ ቀልጢፉ ቆብ ስለዘበሎ፣ ንዓብደላ ከም መራሒ ክቕበሎ ኣይከኣለን። ዓብዳላ፣ ከም ግብረ-መልሲ ናይ ኣመላኻኽታኡ በዚ ሓድሽ ሓይሊ ኣዝዩ ዝተጸልአ ሰብ ክኸውን ግዜ ኣይወሰደን። ዓብደላ ሰፊሕን ንኹሉ ሃገራዊን ዝሓቊፍ ኣመለኻኽታ እንተዝነበሮ፣ እቲ ተጋዳላይ ንዕኡ ብፍሉይነት ዘጽልእ ምኽንያት ኣይምነበሮን። ኣብ ጀብሃ ምጽእ ዝበለ ሓድሽ ተጋዳላይ ግን፣ ብዛዕባ ውሽጣዊ ፖለቲካ ጀብሃ መጀመርታ ዝሰምዖ ዘረባ፣ “ዓብደላ እድሪስ ኣድሓርሓሪ እዩ፣ ባዓስ እዩ” ዝብል ምንባሩ፣ ኣብ ተ.ሓ.ኤ. ዝነበርና ኩልና ኣጸቢቕና እንፈልጦ እዩ።
ናብቲ ድሕሪኡ ዝቐጸለ ኣካይዳ ምስ እንምለስ፣ ዓብደላ ኩሉ ሳዕ ኣብ ልዕሊ ህዝባዊ ሓይልታት ጥሩፍ ዝኾነ መርገጺ ሒዙ እዩ ዝኸይድ ነይሩ። “ህዝባዊ ሓይልታት ካብ ሜዳ ኤርትራ ክትጠፍእ ኣለዋ” ዝብል ጥሩፍን ተጻባኢን መርገጺኡ፣ ፍጹም ተለዊጡ ወይ ለዚቡ ኣይፈልጥን። ኣብ ውሽጢ መሪሕነት ጀብሃ ከኣ፣ ዓብደላ ንናይ ሕሩይ ተድላ (ወዲ ተላ) ዕሽልነትን ሕንቃቐን ክጻወሮ ዝኽእል ኣይነበረን። በዚ ድማ ኣብ ውሽጢ ጀብሃ ንሕሩይ ከም መቐናቕንቱ ጠሚቱ ኣንጻሩ ይሰርሕ ነበረ። ንሕሩይ ካብ ፈለማ ኣይተቐበሎን። ብሓቂ እውን (ጸኒሕና ክንመጾ ኢና) ሕሩይ ክትቅበሎ ትኽእል ዓይነት ሰብ ኣይኮነን።