እድሪስ (ኣቡዓረ)
ምስ እድሪስ ኣቡዓረ ወላ’ኳ ኣብ ጊንዳዕ ክንፋለጥ ይግብኣና እንተ ነበረ፡ ኣነ ኣብ ካምቦፖሊስ ንሱ ድማ ኣብ ከተማ ይነብር ስለ ዝነበረ፡ ከም ካልኣይ ድማ ኣነ ምዕባዩ ስለ ዝነበርኩ፡ ኣብ ሓደ ቤትትምህርቲ እናተመሃርና ኣብ ክፍሊ ይኹን ኣብ ጸወታ ንራኸብ ስለ ዘይነበርና፡ ሽዑ እርእዮ ነይረ’ምበር ፍልጠት ኣይነበረናን። ብዝኾነ ኣነ ከም ወዲፖሊስ መጠን ኣብ ብዙሕ ከተማታት ድሕሪ ምዅብላል ኣብ 10/1975 ክስለፍ ከለኹ ምስ ኣቡዓረ ግን ኣዚና ደንጉየ ኣብ 1979 ኢና ተራኺብና።
እድሪስ ኣቡዓረ ካብ ትግረን ሳሆን ዝኾኑ ወለዲ ተወሊዱ ኣብ ጊንዳዕ ዓብዩ። ናብ ህሓሓኤ ድማ ጌጋ ይኽልኣለይ ኣብ 1972 ተሰሊፉ። ምኽንያቱ ቅድሚ ውግእ ሓድሕድ ገረግር ሱዳን ዝነበረ ጽንኵር ኵነታት ይኹን ኣሰዋውኣ ኣስታዝ ዓምር ጣህር ሻህቢ ጽቡቕ ገይሩ የዕለልኒ ነይሩ። እድሪስ ነቲ ኵሉ ጽንኵር ኵነታት ሓሊፉ ኣብ ከባቢ 1974 ብጸልማት እናኸደ ከሎ ምስ ካልኦት ብጾቱ ኣብ ሓደ ሃው ዝበለ ገደል ስለዝኣተዉ ኣዝዩ ተሃስዩ። ብሰንኪ እቱ ዝወረዶ ብርቱዕ ማህሰይቲ ድማ ንሕክምና ናብ ኩወይት ተላኢኹ። ኣብ ኩወይት ኣብ ዝጸንሓሉ ግዜ ምስቶም ኣብኡ ክሕከሙ ኣጸንሑዎ ተጋደልቲ ከዕልል ባህርያዊ ነይሩ። ኣብ ከምዚ ኵነታት እቲ ኣብ መንጎ ተጋደልቲ ፍቕርን ብጻያዊ ሓልዮትን ዘይደሊ ምስጢራዊ ሰልፊ ብመንገዲ ሓደ ተጋዳላይ ንኣቡዓረ ከምዚ ይብሎ። “ስማዕ ኣቡዓረ፡ በዓል እከለን እከለን ጽልዋ ናይ መንካዕ ከም ዘለዎም ትፈልጥዶ?” ኣቡዓረ ድማ፡ “ፈሊጠ ኣይፈሊጠ ንዓይ እንታይ ትርጕም ኣለዎ?” ዝብል ደረቐኛ መልሲ ሃቦ። እቲ ልኡኽ ድማ “ማለተይ ምስኣቶም ክተዕልል ኣይድለን እዩ። ስለዚ፡ ካብ ሕጂ ጀሚርካ ምስ እከለን እከለን ክተዕልል የብልካን፡” ዝብል ለበዋ ለገሰሉ። እቲ ድምብርጽ ዘይብሎ ኣቡዓረ ግን “ኣነ እነግረካ ኣለኹ፡ እዞም ሰባት ግቡኦም እነፈጸሙ ዝተወግኡ ብጾተይ ስለ ዝኾኑ ምስኣቶም ምዕላል ከም ዘየቋርጾ ፍለጥ!” ኢሉ ኣፋነዎ። እዛ ኣጋጣሚ እዚኣ ግን ስለ ዝተመዝገበት ደድሕሪኡ ስዒባ።
ኣቡዓረ ኣብ 1976 ናብ ሜዳ ክኣቱ ከሎ ብክልተ ምርኵስ ንየው ነጀው እናበለ እዩ ዝንቀሳቐስ ነይሩ። ሰብነቱ ንነዊሕ እዋን ስለ ዘይተንቀሳቐሰ ኣብራኹ ካብ ክቱር ቅጥኒ ቀሸም ኣብ ርእሲ ምምሳለን፡ ገጹ ምስ ርኣኻ ህይወት ከም ዘለዎ ስለ ትፈልጥ እንተ ዘይኮይኑ ተንቀሳቓሲ ሬሳ ኮይኑ እዩ ዝስምዓካ። ነፍሱ ብግቡእ ክኣሊ ይኽእል ስለ ዘይነበረ ድማ ጸጕሩ ኣዝዩ ዘጊፉ ብቍማልን ጭብን ዝተጎብአ ነይሩ። እቲ ኣብ ዝተፈላለየ ኣካላቱ ዘሎ መቝሰልቲ ኣብ ፍሕኛኡ ኣሉታዊ ጽልዋ ስለ ዝፈጠረ እናናሳዕ ክሸይን ኣለዎ። ክሸይን ከሎ ግን ከም ንቡር ሰብ ብዝሕ ኢሉ ዘይኮነ ኣብ ነፍስወከፍ ፈተነ ኣዝዩ ውሑድ እዩ ክሸይን ዝኽእል። ብሓጺሩ ፍሕኛኡ ኣመና ውሑድ ሽንቲ እያ ክትዓቍር ትኽእል። ኣብ ከምዚ ኵነታት ከሎ እዩ እምበኣር ጽልዋ ናይ መንካዕ ኣለዎም ምስ ዝብሃሉ ተጋደልቲ ገለ ድሒሮም ዝተሰውኡ ብጾቱ ኣዕሊልካ ተባሂሉ ናብ ሓለዋ ሰውራ ዝተላእከ። ኣብ ሓለዋ ሰውራ ከምቲ ልሙድ እቲ መርማሪ “መምጽኢኻ ትፈልጥዶ?” ክብል ተወኪሱዎ። ኣቡ ዓረ ድማ ኣብ ብሌቓት ዝተወዝዐ መሲሉዎ ስለ ዝነበረ ዝፈልጦ ገበን ከኣ ስለ ዘይነበሮ፡ “ኣይፈልጦን!” በሎ እናሰሓቐ። እቲ መርማሪ ብዛዕባ መምጽኢኡ ነዊሕ መግለጺ ድሕሪ ምሃብ ኣብቲ ቦታ ክጸንሕ ምዃኑ ሓበሮ። እድሪስ ድማ ንገለ ኣዋርሕ ኣብ ሓለዋ ሰውራ ጸንሐ። ብዘይካ ክምህር ወይ ክጽሕፍ ካልእ ነገር ክሰርሕ ስለ ዘይክእል ኮፍ ኢሉ ኣሕሊፉዎ። ድሕርዚ ኣብ ንዊሕ ከይጸንሐ ኣብ ቤትጽሕፈት ክፍሊ ህዝቢ ተመዲቡ። ኣብ 1979 ድማ ናብ ፖርትሱዳን ተቐዪሩ ከም ሓላፊ ክፍሊ ህዝቢ ከገልግል ጀሚሩ።
ኣቡዓረ ናብ ፖርትሱዳን ኣብ ዝመጽኣሉ ግዜ እቲ ናይ ጊንዳዕ እድሪስ ምዃኑ ከለልዮ ስለ ዘይከኣልኩ ከምቶም ካልኦት ተጋደልቲ እየ ዝቐርቦ ነይረ። ባህርያቱ ስለ ዝፈተኹዎ ግን ዝያዳ እቐርቦ ነይረ። ኣቡዓረ ጥዑም ጠባይ ዘለዎ፡ ተዋዛያይ፡ ብዙሕ ነገር ዝፈልጥ፡ ጽቡቕ ምልከት ቋንቋታት ዝነበሮ ሰብ ኮይኑ ቀልጢፉ ጐድኒ ዘይዝሕዝ፡ ውሳኔ ቅድሚ ምውሳዱ ንነገራት ኣዝዩ ዝምርምር ደሞክራስያውን ፍትሐኛን ዝኾነ ሰብ እዩ። ዝኾነ ሰብ ብዛዕባ እድሪስ ኣቡዓረ ክፈልጥ እንተ ደልዩ፡ ካብ 1979 ክሳብ 1985 ኣብ ፖርትሱዳን ዝነበሩ ሓፋሽ ውዳት ይሕተት። ብወገነይ ብዙሓት ቅኑዓትን ፍትሐኛታትን፡ ካብኣቶም ብተዓጻጻፊ ዝበዝሑ ዘይፍትሓውያንን ዓመጸኛታትን እፈልጥ እየ። ከም እድሪስ ኣቡዓረ ዝኣመሰለ ድምብርጽ ዘይብሎ ተባዕን ፍትሐኛን ሰብ ግን ኣጋጢሙኒ ኣይፈልጥን። ብዝኾነ ጽቡቕ ምቅርራብ ኣማዕቢልና ክንዋዘን ክንጨራረቕን ዳርጋ ዓመት ሓሊፉ። ኣነ ኣባል ጨንፈር መጓዓዝያ ስለ ዝነበርኩ ንኣቡዓረ ኣባል ክፍሊ ህዝቢ ምዃኑ ንምግላጽ፡ “PEOPLES ORGANIZER” እብሎ ነይረ ብመልክዕ ጭርቃን ንሱ ድማ “TRUCK ORGANIZER” ትራክ ይብለኒ ነይሩ እናሰሓቐ። ብባህሪኡ ተዋዛያይ ስለ ዝነበረ ኣባላት ራሕባ ንዝነበነሩ በዓል ወዲጣውላ ድማ፡ “WOOD ORGANIZER” ይብሎም ነይሩ። ኣቡዓረ ኣብቲ መጀመርያ ኮፍ ኢሉ ክምህር ከሎ ጥዑይ ዝመስለን ዝነበራ ኣንስቲ፡ ትምህርቲ ምስ ተወድአ ምርኵስ ሒዙ ሰልፈፍ ሰልፈፍ እናበለ ከም ሰኽራም ክኸይድ ምስ
ርኣይኦ፡ “ዋይ ወደይ! ሚኪኤል ሊቀመላእኽቲ ዝመስል ጐበዝ! በጃኻ ይስጥሓኒ!” ብምባል ኣመና ይድንግጻሉ ነይረን። ናብቲ ቍምነገር ንምምላስ ግን ሓንቲ ዕላል ከዕልለኩም።

ሓደ መዓልቲ ዓርቢ ኮይኑ ልሙድ ስርሑ ከካይድ ብዝሕ ንዝበለ ህዝቢ እናመሃረ ከሎ ኣብቲ ናይ ሕቶን ርእይቶን ግዜ፡ ሓደ ሰብ ኢዱ ዊጥ የብልሞ ኣቡዓረ ድማ የፍቅደሉ። እቲ ሰብ ለካ ንኻልእ ሰብ ክውንጅል’ዩ ነይሩ ዓላማኡ። “እከለ ወዲእከለ ብቐደማይ ኣብ ከተማ ኮፍ ኢሉ ምስ ገለ ሰባት እናዕለለ ከሎ ንውድብና ኣብ ክንዲ ህዝባዊ ግንባር ኢሉ ዝጽውዖ፡ “ህዝባዊ መዓኰር” ኢሉ ከላግጸሉ ከሎ ሰሚዐዮ። እንሃለ ድማ ሕጂ ኣብዚ ምሳና ኮፍ ኢሉ። ከም በዓል እዚኣቶም ዝኣመሰሉ ኣድሓርሓርቲ . . .” ኢሉ ዘረባኡ ወድአ። እቲ ርእይቶ ዝሃበ ኣባል ሓፋሽውድባት፡ ኣቡዓረ ነቲ ሰብ ክስሃሎ እዩ ተጸብዩዎ። ኣቡዓረ ግን ህድእ ኢሉ ብምጅማር፡ “እዚ ውድብዚ ናይ ህዝቢምበር ናይ ፍሉያት ሰባት ኣይኮነን። ናተይ ናትካ ናይ ኩላትና ምዃኑ ክንፈልጥ ኣለና። ውድብና ከምዚ ተባሂሉ፡ እከለ ከምዚ ኢሉ እናበልኩም ኣብ ጐድኒ እዚ ውድብ ደው ክብሉ ንዝኽእሉ ሰባት ብዝጠቅምን ዘይጠቅምን ክተባህርሩዎም የብልኩምን፡” ብምባል ስፍሕ ዝበለ መብርሂ ሂቡ። ድሕርዚ እቲ ከምኡ ኢሉ ዝተባህለ ሰብ ኢዱ ዊጥ ብምባል፡ “ኣቱም ሰባት ኣነ ኣብዚ ውድብ ኣብ ቀረባ ግዜ ከም ዝተወደብኩ ትፈልጡ ኢኹም። ነዚ ውድብ ክጸርፍ ኢለ ዘይኮንኩ ተጫራቓይ ካብ ምዃነይ ዝተላዕለ ከምኡ ኢለ እየ፡ እእረመሉ ከኣ። ካብ ተንኰል ዘይኮነ ግን ብመልክዕ ጭርቃን እየ ተዛሪበዮ። ኣነ ኣንጻር እዚ ውድብ ዝኾነ ጽልኣት እንተ ዝህልወኒ ነይሩ እንታይ ክዋጢ እመጽእ ኣለኹ፡” ብምባል ቃሉ ሂቡ። እቲ ነገር ድማ ኣብኡ ተዓጽዩ። ካልኦት ሰባት እንተ ዝነብሩ ነቲ ነገር ብኸምኡ ዘይኮነ፡ “መን’ዩ ከምኡ ዝበለ? ስለምንታይ ኢልካ? ጸረ ሰውራ ኢኻ፡ ናይ ጀብሃ ኢኻ ወዘተ” ብምባል ምደምደሙዎ ነይሮም።
ሓደ መዓልቲ ኣብ በረንዳ ናይቲ ቤትጽሕፈት እናዕለልና ከለና ብገለ ዘረባ ንሓንቲ ሰዓዳ እትብሃል ሰብ ክጠቅስ እሰምዖ። “ንሰዓዳ ደኣ ኣበይ ትፈልጣ?” እብሎ እናተገረምኩ። “ጓል ጊንዳዕ ስለ ዝኾነት’የ ዝፈልጣ፡” ክብል ምስ መለሰለይ፡ “ንሰዓዳ መሓመድ ዑመር ደኣ ኣነስ እፈልጣ’ንድየ፡ ወዲ ጊንዳዕ ዲኻ ኣቡዓረ?” ክብል ምስ ሓተትኩዎ፡ ኣብ ነዊሕ ዕላል ብምእታው ምስ መንኣሰይ ሓወይ ይምሃር ከም ዝነበረን እፈልጦ ከም ዝነበርኩን ክርዳእ ክኢለ። ካብኡ ንንየው ርክብና ዝያዳ እናጠበቐን፡ “እከለከ ትፈልጦዶ ኔርካ? ኣበይ ኮን ይህሉ?” እናተባሃሃልና ጽቡቕ ግዜ ኣሕሊፍና። ኣብ 1984 መወዳእታ ካብ ፖርትሱዳን ምስ ተቐየርኩ ድማ ንሱ’ውን ምስ ሙስጠፋ ኑርሑሰይን ክሰማማዕ ስለ ዘይከኣለ ናብ ካርቱም ተቐዪሩ። ድሕሪኡ’ውን ኣነ ናብ ሜዳ ስለ ዝኣተኹ ክሳብ ድሕሪ ናጽነት ኣይተራኸብናን። ኣቡ ዓረ ድሕሪ ናጽነት ምስቶም ቋንቋ እንግሊዝ ከመሃሩ ናብ ዓዲ እንግሊዝ ዝኸዱ ሓለፍቲ ሓደ ነይሩ። ናብታ እንግሊዛዊት ስድራቤት ምስ ተሓወሰ ግን እታ ጽቡቕ እንግሊዝኛ ክዛረብ ዝሰምዓቶ ዋና ገዛ፡ “ንስኻ ደኣ እንታይ ክትገብር መጺእካ?” ክትብል ተወኪሳቶ። ኣቡዓረ ኣብ ዓረብኛ ይኹን እንግሊዝኛ ብምንባብ ጥራይ ነፍሱ ባዕሉ ዘማዕበለ ሰብ ኮይኑ፡ ብዓረብኛ ሓንቲ መጽሓፍ ጽሒፉ ከም ዝነበረ ክፍለጥ ይግብኦ። ኣቡዓረ ድሕሪ ናጽነት ከም ሓላፊ ቈንስላዊ ጉዳያት ድሒሩ ድማ ክሳብ ግዜ ማእሰርቱ ከም ዳይረክተር ክፍሊ ዕዮ ሰሪሑ። ኣቡዓረ ሓደ ፈጺሙ ዘይንብርከኽ ተባዕ ሰብ ብምንባሩ ጓለይ ሰበይተይ ከይበለ፡ ምስቶም መቃልስቱይ ክእሰር ዝመረጸ ሰብ ከም ዝነበረ ኵነታት ኣተኣሳስራኡ ከመይ ከም ዝነበረ ንምፍላጥ ነዚ ዝስዕብ ንመልከት።
ሚኒስተር ማሕበራዊ ድሕነትን ክፍሊ ዕዮን ዝነበረትን ቀድኒ መሳርሒ ኢሰያስ ዝኾነትን ኣስካሉ መንቆርዮስ፡ ልክዕ ከምቶም ካልኦት መዛኑኣ ብኢሳያስ ተኣዚዛ፡ ምእሳር ጕጅለ 15 መታን ክትሕብር ንኣባላታ ኣኪባቶም። “ጕጅለ 15 ሃገር ከዲዖም፡ ምስ ሲኣይኤይ ርክብ ኣለዎም፡” ኢላ ዘረባኣ ክትጅምር ከላ ግን ኣቡዓረ ደው ከም ትብል ብምግባር ንመድረኽ ተቘጻጸሮ። “ነዞም ሰባት እዚኣቶም ኣይትፈልጦምን’ያ። ከምኡ በሊ ተባሂላ ጥራይ’ያ ከዳዓት ትብሎም ዘላ። ነዞም ሰባት እዚኣቶም ጽቡቕ ገይረ ስለ ዝፈልጦም፡ ንሃገር ክብሉ ዝተበጀዉን ንዓመታት ዝተቓለሱ ሓርበኛታት ምዃኖምን እነግረኩም ኣለኹ። ስለዚ፡ እዚ ክትብሎ ዝፈተነት ዘረባ ጌጋ ከም ዝኾነ ፍለጡ፡” ድሕሪ ምባል፡ “ንስኺ ድማ ነቶም ዝለኣኹኺ ኣቡዓረ ከምዚ ኢሉ ኣሎ ኢልኪ ሓብርዮም፡” በላ ብትብዓት። ኣቡዓረ ብዓንተቦኡ ኣብ ቋንቋ ኣደ ዝተፈላለየ ንህግደፍ ደስ ዘየብል ጽሑፋት ይጽሕፍ ስለ ዝነበረ፡ ጥዒሙሎም ንጽባሒታ ናብቲ ብጾቱ ዝነበሩዎ መዳጐኒ ቦታ ተወስደ። ብዛዕባ ኣቡዓረ ዝጀመርናዮ ዕላል ንምዝዛም ግን በዛ ቅድሚ ምእሳሩ ብዛዕባ ጕዳይ ምስጢራዊ ሰልፊ ዕላል ምስ ኣበገስና ባዕሉ ዘዕለለኒ ነቲ ዝነበረ ቃላቱ ከም ዝነበሮ ፈይ ከብለልኩም።
“ክገርመካ ኣዝየ ድሒረ እየ ብመንገዲ ባዱሪ ኣባል ምስጢራዊ ሰልፊ ኮይነ። እቲ ምኽንያት ድማ ሙስጠፋ ነይሩ። ምኽንያቱ ኣብቲ ምስጢራዊ ሰልፊ ንኽትኣቱ እሺ በሃላይ ክትከውን ኣለካ። ኣነ ድማ ፍጥር ክብል ንዘይኣመነሉ ነገር እሺ ምባል ባህረይ ኣይኮነን። ብዝኾነ እዚ ሃርጋፍ ሙስጠፋ እቲ ኵሉ ስራሓት ናይ ቤትጽሕፈት ባዕለይ እናሰራሕኩሉ ከለኹ ሓደ መዓልቲ ሓደ ቅያ ነገር ሰሪሑ። ከምቲ ትፈልጦ ሙስጠፋ ኣብቲ ቤትጽሕፈት ብቐጻሊ ሓለፍቲ ጸጥታ ሱዳን ይዕድም ነይሩ፡ ንሳቶም ድማ ዕላለይ ደስ ይብሎም ስለ ዝነበረ ኣቡዓረኸ ይምጻእ ይብሉ ስለ ዝነበሩ፡ ሙስጠፋ ከይፈተወ ኣብቲ መስተ እሕወሶም ነይረ። መልኣከ ወዲፊተውራሪ’ውን ዝበዝሕ ግዜ ከም ኣባል ስለያ መጠን ምሳና ይሕወስ ነይሩ። ሓደ መዓልቲ መስተ ክንሰቲ ጸኒሕና ኣብ ኣጋ ምውዳእና ሙስጠፋ ሃንደበት፡ ‘ሕጂ ስራሕ ስለ ዘሎና ክልተኹም ክትገድፉና ኢኹም፡’ ይብለና። ወዲፊተውራሪ ሰላሕ ኢሉ ክወጽእ ከሎ ኣነ ቍልቍል ዝኣፋ፡ ‘ኣይወጽእን እየ፡’ እብሎ። ኣብዚ ምስሕሓብ ኮይኑ እቲ ጕዳይ እንታይ ምዃኑ ምርዳእ ዝሰኣኖ ኑረዲን (ሓላፊ ጸጥታ ኣውራጃ ምብራቕ ሱዳን) ‘ማልኩም ያጀማዓ? ኤሽ ሓሰል’ ይብለና’ሞ ኣነ፡ ‘ሙስጠፋ ስራሕ ስለ ዘሎና ውጻእ ይብለኒ ኣሎ፡’ ክብል እምልሰሉ። ኑረዲን ነገራቱ ደንጽዩዎ፡ ‘ስማዕ’ስኪ ሙስጠፋ፡ እድሪስ ዘይፈልጦ ምስጢር ኣሎ ድዩ? ንሱዶ ኣይኮነን ኵሉ ደብዳቤታትካ ዝጽሕፎን ዘንብቦን! እዚ ዘረባ ኣይኮነን። ትም በል በጃኻ! ያላ ጸወታና ጥራይ ንቐጽል፡’ ብምባል ነገር ከህድእ ይፍትን። ሙስጠፋ ትም ኢሉ ዓዘፍዘፍ ክብል ምስ ጀመረ ኣሕሪቑኒ፡ ‘ትም ኢልካ ሃተፍተፍ ኣይትበል፡ ሉጢ!’ ኢለዮ።
ንሱ ድማ ‘ኣነ ሉጢ! እዛ ዘረባ’ዚኣ ኣይትደግማን ኢኻ!’ ይብለኒ። ብዝኾነ ኣብ ምንህሃር ስለ ዝበጻሕና ኑረዲን ፈላልዩና ነናብ ቦታና ፋሕ ንብል። ንጽባሒቱ ድሕሪ ቐትሪ ኣብ በረንዳ ቤትጽሕፈት ከለኹ ሙስጠፋ ናባይ ቅርብ ኢሉ፡ ‘ኣቡዓረ ትማሊ ሰቲኻ ኔርካ፡ ሉጢ ድማ ኢልካኒ፡’ ክብል ዘረባኡ ጀመረ። ዕድል ኣይሃብኩዎን፡ ‘ሕጅስ ሉጢ’ንዲኻ!’ ምስ በሉዎ ብስንባደ፡ ‘ኣነ ሉጢ?’ በለኒ፡ ኣነ ድማ ከም ዘላታ፡ ‘እወ ሉጢ’ በልኩዎ፡ ዘረባ ኣይወሰኸን ሰላሕ ኢሉ ከይዱ።”
ድሕር’ዚ ክቃደዉ ኣይከኣሉን ኣቡዓረ ምስኡ ኣይሰርሕን’የ ስለ ዝበለ እቲ ጕዳይ ባዱሪ ኣትዩዎ። ምኽንያቱ ሙስጠፋ ብዘይካኡ ክሰርሕ ኣይክእልን’የ ኢሉ። ሓቁ እዩ ድማ ኣቡዓረ እዩ ናብ መንግስቲ ሱዳን ዝለኣኽ መልእኽትታ ዝጽሕፈሉ ነይሩ። ባዱሪ ንኣቡዓረ ኣብኡ ከጽንሖ ሓሲቡ ነይሩ። ኣቡዓረ ኣባል ምስጢራዊ ሰልፊ ከም ዘይነበረ፡ እዚ ድማ ሙስጠፋ ስለ ዘይደለዮ ምዃኑ ምስ ፈለጠ፡ ከምኡ’ውን ኣቡዓረ ምስኡ ኣይሰርሕን’የ ኢሉ ስለ ዘቕበጸን ናብ ካርቱም ከም ዝቕየር ገይሩዎ። ብህይወት ካብ ዘለዉ ሰባት ከም እድሪስ ኣቡ ዓረን ስዩም ጸሃየን ጋዜጠኛን ኣብ መትከሎም ዝጸንዑ፡ ስለ ስለ ህዝቢ ዝውፈ ሰባት ኣየጋጠሙንን። ኣምላኽ ኣብ ዘለዉዎ ቦታ ጽንዓትን ትብዓትን ክህቦም እምነ።
ውድቀት ንግፍዓኢ ጭፍራ ህግደፍ
ዓወት ንህዝባዊ ቃልሲ
እስጢፋኖስ ገብረሚካኤል ተሞልሶ ኖርወይ

Who is Idris Abaaree...I was one of the disabled veterans who have sacrificed their youth for the Eritrean cause. A self taught activist who has made defending the human rights of Eritrean people my main focus. I have rejecting the Eritrean ruling regime’s injustices and refused to be silenced.
I was one of the first who spoke out against the arrest and disappearance of my colleagues and compatriots on September 18th; I also refused to be silenced by the threats and cover-ups that followed the event and as a consequence I too was arrested and was made to ‘disappear’, my whereabouts or situation is completely unknown.
I challenged the regime’s education system. I wanted all Eritrean children to benefit from a fair and free education system. I was harassed and badly treated by the regime for many years for my views.
My imprisoned colleagues and I have put our lives and that of our families at risk so that all Eritreans enjoy a free and peaceful life, we now urge you to never forget us and continue on the struggle for justice.
Perhaps the authorities silenced us, but it is time to show them that there are thousands more they can not silence.