.
1952-2020

ኣባ ቪቶርዮ ኣንቱቱ ኮለ: ኣቦ ፋቕሪ ኣቦ ክብሪ፡ ኣቦ ዘኽታማት፡ ኣቦ ሰላም፡ ኣቦ ፍልጠት፡፡ ፈጣሪ ናብ ገነቱ ይቐበለካ pepe፡፡
“ናብ ገነት እተእቱ ቀጣን መንገድን ጸባብ ኣፍደገን ኢያ።
ጻድቃን ግና ናብኣ (ብኣኣ) ኣትዮም ኣብ’ዛ ቅድስቲ ሃገረ-ገነት ብሰላም ይቕመጡ።
ሕማምን ስቓይን ኣብ ዘይብሉ፡ ደጊም ካልኣይ ኣብ ዘይሞቱሉ ኣብ ሃገረ ሕያዋን፡
እናተፈስሑ ባህ ኢሉዎም ወትሩ ብሰላም ይነብሩ (ጸሎተ-ሰዓታት ዘሙታን፡ ዘነግህ “ሰላም”)
ትማሊ ዕለት 21 ሚያዝያ 2020፡ ሰዓት 2.00 ናይ ለይቲ፡ ኃውና ቪቶርዮ ኣንቱቱ ዓሪፉ። ከም’ዚ ኣብ ላዕሊ ዝጠቐስናዮ ጥዑም ጸሎት፡ “ሕማምን ስቓይ ናብ ዘይብሉ፡ ደጊም ካልኣይ ጊዜ ናብ ዘይሞተሉ፡ ናብ ሃገረ-ሕያዋን ባህ ኢሉዎ” ኢሉዎ ተሳጊሩ ኣሎ። ምንም’ኳ ጥዕና ካብ ዚወሓዶ ከበቢ 13 ዓመት እንተገበረ፡ ዜና ዕረፍቱስ ዳርጋ ሃንደበት ኢዩ ኮይኑና። ካብ 2007 ጀሚሩ ኣብ ዓዲ-ጣልያን፡ ኣብ ከተማ ሳቮና ንኻልኣይ ጊዜ ናይ ምትካእ ኵሊት መጥባሕቲ (Kidney transplant) ገይሩ ምስ ተባህለ፡ “ሎምስ ዕዉት መጥባሕቲ ግዲ ይኾነሉ ይኸውን” ክንብል ጸኒሕና ኔርና ደኣ’ምበር፡ “ከደ፡ ተመልሰ” ዝተባህለሉ ጊዜስ መጀመርያ ኣይነበረን። “ሰብ ኣማሚ፡ እዝጊ ፈጻሚ” ኢዩ። እቲ ኣብ ልዕሊ ነፍሲ-ወከፍና ዘለዎ መደቡን ውሳኔኡን ፍቓዱን ዝፈልጦ የለን።
ብዛዕባ ዜና ታሪኽ ኣባ ቪቶርዮ ስፍሕ ዝበለን ዝተጻፈፈን ጽሑፍ ክሳዕ እነቕርብ፡ ንሎሚ ሓጺር ታሪኽ ሕይወቱ ከም’ዚ ዚኽተል ኢዩ፥
ኣብ ኦጋና እትበሃል ዓዲ ብ4 ጥሪ 1952 ተወሊዱ፡ ስለ’ዚ ኣብ መበል 68 ዓመት ዕድመኡ ኢዩ ዓሪፉ ማለት ኢዩ። መባእታዊ ትምህርቱ ኣብ ኤባሮ፡ ምስ’ቶም በዓል ጥዑም ዝኽርን፡ ንሕዝቢ ኩናማ ፍሉይ ፍቕሪ ዝነበሮምን ኣባ ተረንሲዮ ፋሪና ተማሂሩ፥ ንሶም ኢዮም ከኣ ብ1968 ናብ ንኡስ ዘርኣ-ምንኵስና እምባትካላ ዝሰደዱዎ። ኣብ እምባትካላ መባእታዊ ትምህርቲ ዛዚሙ ብ1971 ናብ’ቲ ናይ ማእከላይን ካልኣይን ደረጃ ትምህርቲ ዘአንግድ ገዳም መንደፈራ ሓለፈ። ኣብ ወርሒ ነሓሰ 1974 ናብ ቤተ-ተመኵሮ ደቀምሓረ ተሳገረ። ብ11 ነሓሰ 1975 ከኣ ዓመተ-ተምክሮ ዛዚሙ፡ ብንኡስ መብጽዓ ካፑቺናዊ ውፉይ ሕይወት ፈለመ። ድሕሪኡ ናብ’ቲ ሽዑ ትምህርቲ ፍልስፍና ዚግብረሉ ዝንበረ ገዳም ቅ. ፍራንቸስኮስ ኣዲስ ኣበባ ሓለፈ (1975-1978)። ናይ ሰለስተ ዓመት ትምህርተ ፍልስፍና ዛዚሙ፡ ትምህርቲ ተዎሎጊያ ንምቕጻል፡ ብመስከረም 1979 ናብ ኣስመራ ተመልሰ። ብ18 ጥሪ 1981 ብዓቢይ መብጽዓ ንኣምላኽ ተወፈየ። ብ11 ሓምለ 1982 መዓርገ ክህነት ለበሰ።
ኣብ ኣስመራ ኣብ ትምህርቲ ተዎሎጊያ ኣብ ዝነበረሉ ጊዜ፡ ኣባ ቪቶርዮ ምስ’ቲ ቀንዲ ናይ ትምህርቲ ንጥፈታቱ፡ ዝተፈላለዩ ጽሑፋት ናብ ቋንቋ ኩናማ ኣብ ምትርጓምን፡ ካልእ ንሃይማኖትን ባህልን ሕዝቢ ኩናማ ዚምልከት መጽናዕቲ ኣብ ምድላውን ዘይነዓቕ ኣበርክቶ ከም ዝገበረ ብጾቱ ይምስክሩ። ካብ ሽዑ ኣትሒዙ፡ ምናልባት ካልኦት ኣጸቢቖም ዘይደፈሩዎ ኣርእስቲ፡ ሥርዓተ-እምነትን ባህልን ሕዝቢ ኩናማ ብኸመይ ምስ ክርስቲያናዊ ሥርዓተ-ኣምልኾ ኪወሃሃድ ምኸኣለ ዚብል ርእሰ-ነገር ይመራመረሉ ከም ዝነበረ ዝፈልጡዎ ይምስክሩ። ክህነት ካብ ዝተቐበለሉ ዓመት ጀሚሩ ክሳዕ’ታ ናብ ዓዲ-ጣልያን ዝኸደላ ዕለት ንንውሕ ዝበለ ጊዜ ኣብ ጋሽ-ባርካ ኣብ ዚሰርሓሉ ዓመታት እውን ዝቐጸሎ መጽናዕቲ ነበረ።
ድሕሪ ክህነት ኣብ ዝተገብረ መደብ-ስራሕ፡ ኣባ ቪቶርዮ ከም ፈላሚ ዓውደ ስራሑ ናብ ቢምቢልና ተመደበ (ሕዳር 1982)። ኣብ ቢምቢልና ካብ መወዳእታ 1982 ክሳዕ 1993 ከም ቆሞስን ምኽትል ሓለቓ ገዳምን ኮይኑ ኣገልገለ። ኣብ’ዘን ኣብ ቢምቢልና ን11 ዓመታት ዝጸንሓለን ዓመታት፡ ብዝነበረ ፖሊቲካዊ ኵነታት ዝተላዕለ፡ ምስ’ቶም ምሳኡ ዝሰርሑ ዝነበሩ ካህናትን ደናግል ኦርሶሊነን ከቢድ ማእሰርትን ምክልባትን ኣሕሊፎም። ብፍላይ በዓል ጥዑም ዝኽሪ ኣባ ኢላሪኖ ማሪከሊ ዝተኣስሩሉን ካብ’ቲ ነዊሕ ዓመታት ዝሰርሑሉ ጋሽ-ባርካ ዝተሰጉሉን ርእሱ ዝኸኣለ ታሪኽ ኣለዎ። ካብ 1993 ክሳዕ 1996 ኣባ ቪቶርዮ ኣብ ከተማ ባረንቱ ከም ሓለቓ ገዳምን ቆሞስን ኣወሃሃዲ ትምህርተ-ክርስቶስን ኮይኑ ኣገልገለ። ብመስከረም 1996 ላዕለዋይ ናይ ተዎሎጊያ ትምህርቲ (Pastoral Theology) ኪቐስም ናብ ሮማ ተላእከ፡ ብ1998 ከኣ ብዝለዓለ ነጥቢ (Summa cum Laude) ብሊቸንሳ ተመሪቑ፡ ብ1999 ናብ ኤርትራ ተመሊሱ ንሰለስተ ዓመት (ክሳዕ 2002) ኣብ ባረንቱ ከም ቆሞስ ኣገልገለ። ካብ 2002 ክሳዕ 2004 ንኻልእይ ጊዜ ናብ ቢምቢልና ተመደበ። ብ2004 ከም ብሓድሽ ናብ ባረንቱ ከም ሓለቓ ገዳም ተመዲቡ ክሳዕ 2004 በዚ ሓላፍነት እዚ ሰርሔ። ብ2004 ሓላፊ ሰበኻዊ ዘርኣ-ክህነት ተሰነይ ኮይኑ ከገልግል ናብ ከተማ ተሰነይ ከደ ንሰለስተ ዓመት ከኣ ኣገልገለ (2004-2007)።
ኣብ ቢምቢልናን ኣብ ባረንቱን ዝተዋህቦ ሓላፍነት ኣብ ዚዓመሉ ዝነበረ ጊዜ፡ ኣብ ሥርዓተ-ሊጡርጊያ ምድላው ንካህናትን ንሕዝብን ዘገልግል መጽሓፍ ቅዳሴ፡ ምስ ንጡፋት መእሰያት (ገሊኦም ብዛዕባ ትምህረ-ክርስቶስ ኪሥልጥኑ ናብ ከንያ ተላኢኾም ዝነበሩ ኢዮም) ኮይኑ ከኣ ምስ ባህላዊ መዛሙር ኩናማ ዚሰማማዕ ናይ ቤተ-ክርስቲያን መዛሙር ኣብ ምድላው ብዙሕ ጻዕሪ ከምዝገበረ እቶም ብቕረባ ዝፈልጡዎ ይዛረቡሉ። ኣብ ስፖርት እውን ክሳዕ ሓንቲ ሓያል ናይ ኵዕሶ-እግሪ ጋንታ ኣብ ምምሥራት በጺሑ ነበረ። ብመልክዕ ናይ ርሑቕ ሞግዚትነት (Adozione a Distanza) ንሓያሎ ድኻታት ረዲኡ ኢዩ።
ድሕር’ዚ ጥዕናኡ እናጐደሎ ስለ ዝኸደ፡ ብ2007 ንሕክምና ናብ ዓዲ-ጣልያን፡ ከተማ ሳቮና (ኣውራጃ ሊጉርያ) ተጓዕዘ። ካብኡ ንደሓር ን13 ዓመት ናብ ሃገሩን ቤተ-ሰቡን ሰበኻ-ማኅበርን ኣይተመልሰን።
ብ14 ሓምለ 2011 ናይ መተካእታ ኵሊት መጥባሕቲ ገበረ። እቲ መጥባሕቲ ዕዉት ኣይነበረን፡ ብተኣምራት ድሒኑ፡ ጥዕናኡ እናተመሓየሸ ከይዱ ነይሩ። ክሳዕ ሓለቓ ናይ’ቲ ዚቕመጠሉ ዝነበረ ገዳም ሳቮና ምዃን በጺሑ ነበረ።
ብ2013 ግን ኰላሊቱ ብግቡእ ክሰርሕ ስለ ዘይከኣለ ናብ ዳያሊዚስ (ምጽራይ ደም) ኣተወ። ሓድሽ መተካእታ ኵሊት እንተተረኽበ ተባሂሉ ብ2014 ናብ ካልእ ሃገራት ኪኸይድ ተፈቲኑ ነይሩ፡ ኵሊት ኪርከብ ግን ኣይተኻእለን።
ኣብ ከም’ዚ ዝበለ ኵነታት እንከሎ ኢዩ እዚ ናይ ሎሚ ሞት ዘጓነፈ። ኣብ መወዳእታ ናብ ዘለዓለማዊ ሕይወት ዘሳገሮ ሕማም ናይ ኵሊት ዘምስራሕን (kidney failure) ፡ ከምኡ ኸኣ ጸዓዱ ናይ ደም ዋህዮታት ምውሓድን (ለውኪምያ) ኢዩ።
ክቡራት ኣኅዋት፡ ኣምላኽ ኣብ ልዕሊ ነፍሲ-ወከፍና ዘለዎ መደብን ውሳኔን ፍቓድን ስለ ዘይንፈልጦ፡ እዚ ናይ ኃውና ናብ’ቲ ንየዋይ ዓለም ምሕላፍ መዘኻኸሪ ይኹነና። ነዛ ንኹሉ ሰብ ማዕረ እትገብር ሞት (“The great Leveller” ኢሉ ይጽውዓ ሓደ ጸሓፊ)፡ ከምኡ ምዃና ፈሊጥካን ኣሚንካን፡ እንተኾነ ግን ብራዕዲ ዘይኮነስ ብህድኣትን ብታሕጓስን ክትጽበያ ምኽኣል፡ እግዚኣብሔር ንውሑዳት (ከም ቅ. ፍራንቸስኮስ ዝኣመሰሉ ሰባት) ዝህቦ ጸጋ ኢዩ።
ሎሚ ዕለት 22 ሚያዝያ ኣባ ቪቶርዮ ሓመድ-ኣዳም ለቢሱ። ብምኽንያት እዚ ኣብ ምልእ ዓለም ወሪዱ ዘሎ መቕዘፍቲ፡ ወግዓዊ ንቡር ቀብሪ ኪግበረሉ ኣይተኻእለን። ዓዲ-ጣልያን ሓንቲ ካብተን በዝ አላባዒ ሕማም ኮሮና ባይረስ (ኮቪድ-19) ተጠቒዓ ስለ ዘላ፡ ንዝሞቱ ኵሎም ኣብ ቤተ-ክርስቲያን ፍትሓት ጌርካ ኢኻ እትሰናበቶም፡ ሬስ ክቡር ኣባ ቪቶርዮ እውን ብኸምኡ ተፋንዩ።
እዚ ሰሙን’ዚ ጐ.ኢ.ክ. ንሞት ስዒሩ ዝተንሥኣሉ ፋሲካ እንዝክረሉ፡ “ሰሙን መለኮታዊ ምሕረት” ተባሂሉ እውን ስለ ዚጽዋዕ፡ ርህሩህ እግዚኣብሔር ንሓውና ቪቶርዮ “ትንሣኤ” ኪገብረሉ፡ ኣብ መንግሥቱ ምስ ኵሎም መላእኽትን ቅዱስንን ከንብረልና ንጸሊ።