-->

20190914 ሃብቶም ዮሃንስ (ክንዛረብ)
ካብ ቢቢሲ-ትግርኛ 3 ግንቦት 2019 ዝተወስደ
" ድሕረ-ባይታ ኣቡ-ዓረ
ካብ ትሑታት ስድራ ኣብ ጊንዳዕ ተወሊዱ ዝዓበየ እድሪስ ኣቡዓረ ኣብ ፈለማ ሰብዓታት እዩ ናብ ህዝባዊ ሓይልታት ተጸንቢሩ።
እድሪስ ሰውራዊ ዕማም ከሳልጥ ምስ ብጾቱ ብጸላም እናተጓዕዘ ብገደል ስለዝጸደፈ ብኸቢድ ሰንኪሉ ንሕክምና ንወጻኢ ከምእተላእከን ተሓኪሙ ንሜዳ ከምዝተመልሰን ብጾቱ ይገልጹ።
ኣቡዓረ፡ ፍትሒ ዘየዘንብል ቅኑዕ፡ ብረብሓ ዘይሰድዕ ጽኑዕ፡ ካብ ዝኣመነሉ ዕላማ ዘይዘብል፡ ንህዝብን ሃገርን ብተኣማንነት ዘገልግል ተባዕ ተጋዳላይ ምንባሩ፡ ኩሎም ዝፈልጥዎም ዘበሉ ይምስክርሉ - ድሕሪ ናጽነት ኣብ ኣስመራ ዝተላለየቶ ተጋዳሊት ፎዝያ መሓመድ ከኣ ነዚ ምስክርነት'ዚ ብእምነት ትድርዖ።
ኣቡዓረ፡ ዝተራእዮ ዝዛረብ ተባዕ፡ ብዓቕሊ ዝረዳደእ ሰማዕ፡ ጽምኢ ፍልጠት ከርዊ ዘይድቅስ ጻዕራም ተጋዳላይ ምንባሩ ኣብ ካርቱም፡ ኣብ ንጥፈታት ኢራ ዝፈለጦን፡ ካብ ወጻኢ፡ ዝተፈላለየ መጻሕፍቲ ዘምጽኣሉ ዝነበረ ናይ ሕጊ ምሁር ኤልያስ ሃብተስላሰ ብኣድናቖት ይገልጾ።
ሰውራ ከቢድ እዩ። ስንክልና ተወሲኹዎ እሞ ኸኣ ጽንኩር እዩ። ኣቡዓረ ግን ንኹሉ ነገር ተጻዊሩ፡ ብሕልናን ግብርን፡ ክሳብ ዕለተ መስዋእቱ ከገልግሎ ንዝተመባጸዐሉ ህዝቡ ብእምነት ተወፍዩሉ።
ንመንግስቲ ኣብ ክልተ ዝገምዐ ኲናት ኢትዮ ኤርትራ ምስተዛዘመ፡ ላዕለዎት ሓለፍቲ ግንባርን መንግስትን ለውጢ ስለዝጠለቡን ንኣመራርሓ ፕረዚደንት ስለዝተቓወሙን፡ ብወገን መንግስቲ "ኣብ ኲናት ከዲዖሙና!" ዝብል ጽዑቕ ጎስጓስ ተኻይዱሎም።
ኣብዓረን ሓያሎ ገዳይም ካድራትን፡ ዘረባ ክልተ ከይሰማዕና ኣይንፍረድ ስለዝበሉ፡ ግዳይ ማእሰርቲ ከምዝኾኑ ኣባል ማእከላይ ሽማግለ ነበር ተጋዳላይ አሕመድ ኣልቀይሲ ይሕብር።
Image copyrightES
መቓብር ህሉዋት ዘርእስታ መጽሓፍ ዝደረሰ ተጋዳላይ እስጢፋኖስ ተመልሶ እውን፡ ምኒስተር ማሕበራዊ ድሕነትን ክፍሊ ዕዮን ነበር ኣስካሉ መንቆርዮስ፡ ንጉጅለ-15 ኣብ ኣኼባ፤ " ሃገር ከዲዖም" ኢላ ክትውንጅሎም ዝሰምዐ ኣቡዓረ፡ 'እዞም ምእንቲ ሃገር ንዓመታት ዝተበጀው ጀጋኑ ብክድዓት ኣይክሰሱን እዮም' ብምባል ኣትሪሩ ስለ ዝተቓወማ ከም እተኣስረ፡ "እድሪስ ኣቡዓረ መን'ዩ" ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዝጸሓፈ ዓንቀጽ ይገልጽ።
እድሪስ ግን ሽዑ ጥራሕ ኣይኮነን ብዘይኣምኖን ዘይቅበሎን ነገር ዝቃወም። አሕመድ ኣልቀይሲ እውን፡ እድሪስ ንዝረኣዮ ጌጋታት ሸለል ዘይብል ንቑሕ፡ ብታህዲድ ዘይደንን ዘይፈርሕ ተባዕ ምንባሩ እዩ ዝገልጾ።
እድሪስ ብዝነበሮ ከቢድ ስንክልና፡ ፍሕኝኡ ሽንቲ ክጸውር ስለ ዘይክእል ቀቀልጢፉ ክሸይን ስለዝግደድ ኣብ ማእሰርቲ እንታይ ዓይነት ከቢድ ሃለዋት የሕልፍ ከም ዘሎ ንብዓት ብዝተሓወሶ ናይ ናፍቖት ድምጺ እትዝክሮ ብጸይቱ፡ ተኣሲሩ ዝሰምዓ ሓማቱ፡ 'ብስንክልና ንዝተኣስረ እድሪስ ዝኣስር ስርዓት እንታይ ስርዓቱ እዩ" ብምባል ከም ዘስካሕክሓ ትዝክር።
እድሪስ ኣቡ ዓረ፡ ኣብ መወዳእታ ሰማንያታት ኣብ ካርቱም ምስ ተጋዳሊት ብጸይቱ መርየም እድሪስ ሽኩሩክ ተመርዕዩ ሓዳር ምምስራቱ ኣብ መርዓኦም ዝወዓለ ኤልያስ ሃብተስላሰ ይዝክር።
ድሕሪ ምንዳድ ሕርጊጎ ኣብ ንእስነታ ናብ ሰውራ ተሰሊፋ ኣብ ዝተፈላለየ ክፍልታት እቲ ግንባር ተገልግል ዝነበረት ተጋዳሊት መርየም እውን ልክዕ ከም በዓል ቤታ እድሪስ ብብጾታ እትኽበር ፍትውትን ትሕትን ሰብ እያ።
ይኹን እምበር ፖለቲካዊ ፍልልይ ብዘስዓቦ ምኽንያት በዓል ቤታ ተኣሲሩዋ ድሕሪ ናጽነት ንዝወለደታ እንኮ ጓሎም በልቒስ ሒዛ አዒንታ ብንብዓት ናፍቖት እናተሓጽበ ሰሰናዩ ክትሰምዕ ሃንቀው ትብል ኣላ።
ኣቦ መርየም፡ ኣቶ እድሪስ ሽኩሩክ፡ ኣብ እዋን ሃይለስላሰ ብፖለቲካ ስለዝተኣስረ፡ መርየም ንወላዲኣ ክትርኢ ንኣስመራ ትመላለስ ምንባራ ቀረባ ፈለጥታ ይዝክራ። ኣቡኣ ከኣ ካብ ማእሰርቲ ከይወጽአ ተረሺኑ።
ሕጂ ከኣ ጓላ በልቒስ፡ ኣዲኣን ኣቡኣን ብሓባር ንናጽነት ዝተቓለስሉ መንግስቲ፡ ብፖለቲካዊ ፍልልይ ንዝኣሰሮ ወላዲኣ ኣብ ቤት ማእሰርቲ እውን እንተኾነ ክትበጽሖን ክትርእዮን ዘይምፍቃዱ ከምዝትንክፋ ፈለጥታ ይነግራ።
ናጽነት ፕሬስ፡ 'ቃልሲ ፍትሒ ንዝተቐተለት ኣደይ'
ኢብራሂም ማሕሙድ ሸሪፎ፡ "ኣቦይ ካብ ቃልሲ ወጻእ ካልእ ህይወት ኣይነበሮን"
እድሪስን እሱራት ብጾቱን ን18 ዓመታት ኣብ ማሕቡስ ብዘይ ክሲ፡ ብዘይ ፍርዲ ከርተት ይብሉ ኣለው። ክስን ፍርድን ይትረፍ፡ ብህይወቶም ይሃልዉ ኣይሃልዉ እውን ዚፈልጥ ሰብ የለን። እቲ ሰበስልጣን መንግስቲ "ጽቡቕ ኣሎዉ" ዝብልዎ ንሃለዋቶም ዝምስክር ምልክት ክሳብ ዘይተራእየ ኣብ ምልክት ሕቶ ዝኣቱ እዩ።
እዚ ቋንቋታት ዓረብ፡ ትግረ፡ ትግርኛ ብትኽክል ዚዛረብን መጻሕፍቲ ክገናጽል ዝውዕል ዝነበረ ባዕለ-ምሁር፡ ኣስታት 66 ዝዕድመኡ ስንኩል ተጋዳላይ ጸሓፋይ እድሪስ ኣቡዓረ፡ ብኣገላልጻ እቲ ብመሰል ደቂ-ሰብ ዚጣበቕ ኣህጕራዊ ትካል ኣምነስቲ-ኢንተርናሽናል፡ ኣቡ-ዓረ ናይ ሕልና-እሱር'ዩ።
ኣቡ ዓረ ድሕሪ መጉዳእቱ ኣብ ሱዳን ንሓያሎ ዓመታት ኣላይ ሓፋሽ ውዱባት ኰይኑ ኣገልገለ።
ምስ ኩሉ ናይ ስንክልና ጸገማቱ ከኣ ብናይ ርሑቕ-ትምህርቲ (ኮርስፐንደንስ)፡ ቋንቋ እንግሊዘኛ ተማህረ። ብ 1997 ከኣ እቲ ዝነበሮ ድልየት ትምህርቲ ንከርዊ ንኬምብሪጅ (ዓዲ እንግሊዝ) ብምኻድ ናይ ሽድሽተ ወርሒ ጽዑቕ ናይ ቋንቋ እንግሊዘኛ ትምህርቲ ወሰደ።
ኣብ ስነ-ቋንቋ ፍሉይ ኣትኵሮ ብምግባር መጻሓፍቲ ብምንባብ ንፍልጠቱ ኣደንፈዖ። ድሕሪ ናጽነት ኣብ ኣስመራ ከም ሓላፉ ቖንስላዊ ጕዳያት ኰይኑ ኣገልገለ።
ካብ ዓዲ እንግሊዝ ምስ ተመልሰ ድማ ኣብ ክፍሊ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ተመደበ። ቅድሚ ንዓዲ እንግሊዝ ምኻዱ ብዓረብኛ መጽሓፍ ኣሕቲሙ ነበረ።
ሚኒስትሪ ትምህርቲ ናይ ትምህርቲ ፖሊሲ ምስ ሓንጸጸ ኣቡ-ዓረ ቋንቋ ዓረብ ክዋሰን ከም ዝጀመረ ኣስተብሃለ'ሞ ተቓውሞኡ ብጽሑፍ ገለጸ።
"ሓለፍቲ ሚኒስትሪ ትምህርቲ፡ ኣብ ክንዲ ብኣስገዳድ ቋንቋ-ኣደ ክትግበር ዉሳኔ ዜሕልፉ ስለምንታይ ቅድም ነቶም ብሄራት ብቐጥታ ዘይውከሱ?" ክብል መጐተ። እቲ ብዕለት 10/2/2001 ዝጸሓፎ ጽሑፍ፡ ብዓረብኛ ኣብ ዚዳሎ ጋዜጣ 'ኤሪትረያ ኣል-ሓዲሳ" ተሓትመ። መጠመቲኡ ኸኣ ዀነ።
ኤልያስ ሃብተስላሰ፡ እዚ ሎሚ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝበዓል ዘሎ "ኣህጕራዊ መዓልቲ ናጻ ሚድያ" ንከም በዓል እድሪስ ኣቡዓረ ዝኣመሰሉ ጸሓፍቲ ብኸመይኮን ይዝክሮም ይኸውን ብምባል የስተንትን፡ ክሳብ ሕጂ ብህይወት እንተልዮም ከኣ ኣዋጽኦ ይምነየሎም።
ኣቡ-ዓረ ብህይወቱ ይሃሉ/ኣይሃሉ ዚፈልጥ ሰብ የለን፣ ሰበይቱን ጓሉን ግን ንስቕያቱ ተሰኪመንኦ ይነብራ ኣሎዋ።"

  ehrea
 

                      ehrea.org © 2004-2017. Contact: rkidane@talk21.com