ኣባ ኣጎስጢኖስ ተድላ

1921-1989


ኃው ኣጎስጢኖስ ካብ ኣቶ ተድላ ዓንዱን ካብ ወ/ሮ ወለተኢየሲስ ገ/መድኅንን ብ 26 ሓምለ 1921 ዓ.ም.ፈ ኣብ ሔቦ ኣውራጃ ኣከለጉዛይ ወረዳ ጽንዕደግለ ምኽትል ወረዳ ስያሕ ተወልዱ።
ገና ብንእስነትም በቶም ስሙይ ኣባ ያለው ሰቋር ተኾስኮሱ። ዝነበሮም ሃረርታ ክህነት ንከረን ገጹ’ካ እንተደፍኦም ብምኽንያት ውግእ ጣልያንን እንግሊዝን እዙይ ስለ ዘይተፈጸመ ኣብ መበል 19 ዓመቶም
ምስቶም ናይ ሠገነይቲ ካፑቺን ብምልላይን ብመምህሮም ኣባ ያለውን ብምሕጋዝን ኣብ ንኡሳን ኣኅዋት ካፑቺን ኪኣትዉ ሓተቱ እሞ፣ብክቡር ወላዲኦም ተመሪቖም ናብ መንደፈራ ዘርኣ ክህነት
ካፑቺን ሓለፉ። ኣብ’ዙይ ናይ 2ይ ደረጃ ትምህርቶም ፈጺሞም ኣብ ናይ ኣሥመራ ገዳም ገጀረት ብ22 ሓምለ 1944 ዓ.ም.ፈ ልብሰ ምንኵስና ለቢሶም ተመክሮ ጀመሩ፣ ኣብ ዓመቱ ብማሕላ ናብ ኣምላኽ
ተወፈዩ። ድሕሪዚ ሥሩዕ ትምህርቲ ፍልስፍናን ተዮሎጊያን ፈጺሞም ብ 12 መጋቢት 1951 ዓ.ም.ፈ ክህነት ተቐበሉ። ድሕሪ ክህነት ኣብ ምሕላብ ንኣርባዕተ ዓመት፣ ቀጺሎም ኣብ ዘርኣ ክህነት ከረንን
ቫቲካንን ኣገልገሉ። ኣብ ቫቲካን ኣብ ዝሰርሑሉ ግዜ እቲ ናይ ሬዲዮ ቫቲካን ክፍሊ ኣምሓርኛ ጥራሕ ዝነበረ ትግርኛ ወሲኾም ናይ ፕሮግራም ኣካያዲ ተመዲቦም ንሠለስተ ዓመት ንኡድ ኣገልግሎቶም
ኣበርከቱ። ከምኡ ውን ኣብ ኤኩመኒካዊ 2ይ ጉባኤ ቫቲካን ከም ተዓዘብቲ ኮይኖም ንዝተላእኹ ኢትዮጵያውያን ኦርቶዶክስ ኣኅዋት ከም መጠን ተቐባልን ተርጓምን ኮይንም ኣገልገሉ።

ብ1964 ዓ.ም.ፈ ነሥመራ ተመሊሶም ኣብ ገዳም ገጀረት ተዮሎጊያ ብምስትምሃር ምስ ናይ ካልኦት ኣብያተ ክርስትያን (ኦርቶዶክሳዊት ኮነ ወንጌላዊት) ኣኅዋትን መራሕትን ዓሚቑ ፍልጠትን ርክብን
ተኺሎም ናይ ሓድነት መንፈስ ኣብ መንጎ ክርስቲያን ኣሕደሩ። ከም ኣቦ ነፍሲ ኰይኖም ኣብ ሞንጎ እሱራት ፍርያም ሓዋርያዊ ኣገልግሎቶም ኣበርከቱ። ብ07 ጥሪ 1975 ዓ.ም.ፈ “ሰበኻ ቅ.ፍራንቸስኮስ
ኣብ ኢትዮጵያ” ብዝብል ስያሜ ርእሳ ዝኸኣለት ሓዳስ ክፍሊ ማኅበር ካፑቺን እንክትትከል ኃው ኣጎስጢኖስ መጀመርያ ኣካያዲ ተመርጹ። ብሠነ 1982 ዓ.ም.ፈ ብምኽንያት ጥዕና ንኢጣልያ
ተላኢኾም ኣብ ሓዋርያዊ ኣገልግሎቶም ብምቕጻል ኣውራ ኣብ ሥነ ጽሑፍ ዘንበሉ።መዝገበ ቃላት ትግርኛ ንምስንዳው ተዓጥቁ፣ ግን ኣብ ሓቁ ከየብጽሕዎ ከቢድ ሕማም ስለ ዝሓደሮም ኣቃሪጾም
ንኻልኦት ከመሓላልፍሎም ተገደዱ። ሕማሞም እናጸወሩ ድሕሪ ጸኒሖም ንዓዶም ክምለሱ ደለዩ፣ ወርሒ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክልተ ሰሙን ከኣ ኣብ ኣሥመራ፣ መሬት ዓዶምን ሕዝቦምን ድሕሪ ምርኣይ ብ
17 ኅዳር 1989 ብሰላም ዓረፉ። ኃው ኣጎስጢኖስ ንዝተኣስረ ክበጽሑን ንዝሓዘነ ከጸናንዑን ንዝተገፍዐ ፍትሒ ንምውጻእ ኪጓየይሉ
ንጽጉም ኪዕንግሉ ሓደ ካብ’ቲ ሕሉፍ ተውህቦኦም ከም ዝነበረ ኵሉ ዝፈልጦም ዘበለ ዝምስክሮ ሓቂ ኢዩ። ኃው ኣጎስጢኖስ ንሓቂ ድሕር ዘይብሉ ተባዕ ፈላሲ ኢዮም ነይሮም። ነቲ ኣብ ግዜ ደርጊ ኣብ መንጎ
ኣሕዋት ዘነበረ ባእሲ ንሕዝቢ ዘሳቒ ዝነበረ ንዕኦም’ውን የሳቕዮም ስለዝነበረ ነዚ ብሰላም ክፍታሕ ኢሎም ምስ ዓበይቲ ዓዲ ኵሉ ግዜ ይማኸሩን ይዛተዩን ነበሩ።ኣብቲ ግዜቲ ደርጊ ኣብ ኣሥመራ

ንሰለማዊ ሕዝቢ ብፍላይ ከኣ ንመንእሰያት ኣብ ዝቐትለሉ ዝነበረ ግዜ፣እቲ ንፈለስቲ ጥራሕ ዝፍቀድ
ዝነበረ ገዳም ገጀረት ኃው ኣጎስጢኖስ ንኽሉ ነቲ ጭኑቕ ሕዝቢ ክዕቖበሉ ኣፍቀድሉ። ብፍላይ ድማ ንሓው ኣጎስጢኖስ ናብ ማእሰርቲ ዘብጽሓቶም፣ እታ ንጀነራል ጌታቸው ናደው ዝሃብዎ
መልሲ ኢያ ነይራ። ጀነራል ጌታቸው ናደው በቲ ናይ ኃው ኣጎስጢኖስ መልሲ ደስ ስለ ዘይበሎን ዘቐጥዖን ካብ 15/03/
1975 ክሳብ 1981 ንሽድሽተ ዓመትን ሽድሽተ ወርሕን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣራተኛ ፓሊስ ጣብያ ኣዲስ ኣበባ ከም ዝእሰሩ ገበረ41።
ኃው ኣጎስጢኖስ ኣብ መበል 67 ዓመት ዕድሜኦም ኣብ መበል 39 ዓመት ክህነቶምን ብ 26 ኅዳር 1989 ዓ.ም.ፈ ኩሉ ምስጢራት ተቐቢሎም ብሰላም ዓረፉ።


 

Dr Father Augustino

ኣባ ኣጎስጢኖስ ተድላ

ehrea
 

                      ehrea.org © 2004-2017. Contact: rkidane@talk21.com