<%@LANGUAGE="JAVASCRIPT" CODEPAGE="65001"%> Untitled Document

ዓመጻት ህግደፍ አብ ልዕሊ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ኤርትራ

Thursday, 15 December 2011 16:26 ካህን ፕሮፈሰር አትናቴዎስ ገብረአብ
E-mail Print Print

ካህን ፕሮፈሰር አትናቴዎስ ገብረአብ

ሃዋሳ፡ ኢትዮጵያ

ስለ ኩሎም ናይ ሕሊና እሱራት ኤርትራ ኩላትና ተንሲእና ናይ ሓንተ ደቂቕ ናይ ሕሊና ጸሎት ነዕርግ።

ዝከብርኩምን ዝኸብርክንን ጉባኤኛታት፡

ሎሚ ኣብ ቅድሜኹም ተረኺበ፡ ነቲ ንነዊሕ እዋናት ዝተዛረብኩሉን፡ ዝተቓለስኩሉን ጉዳይ ከም አንደገና ምሳኻትኩም ክዛተየሉ አዝዩ ባህ ይብለኒ።

ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ማለት እታ ብ330 ዓ.ም. ብሓዋርያዊ ስብከት ቅዱስ ፍሬምናጦስ (ኣቡነ ሰላማ፡ ኣባ ከሳቴ ብርሃን) ብወግዒ ዝተመስረተት፡ በጃካ እግዚኣብሔር ካልእ ናይ ደገ ምድራዊ ረዳእን ተጣባቕን ዘይብላ፡ ጥንታዊትን፡ ሉዓላዊትን ዝኾነት በዅሪ እምነት ህዝቢ ኤርትራ እያ።

ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ናታ ፍሉይ ናይ ዘመን ኣቆጻጽራን ናይ ገዛእ ርእሳ ፊደላትን ዘለዋ ሃብታም ታሪኽ፥ ዘደንቑ ገዳማትን ኣድባራትን፥ ብዋጋ ዘይሽነን ቅርስታት፥ ማእለያ ዘይብሎም ብራናዊ ጽሑፋትን ዓቂባ ዝጸንሐት ታሪኻዊት ቤተ ክርስቲያን እያ። ኣብ ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ ድማ መንፈሳዊ፥ ባህላዊ፥ ማሕበራዊ፥ ቁጠባዊ፥ ሥነ ፍልጠታውን ሃብታም ኣበርክቶን ሰፊሕ ተሳትፎን ጸኒሑዋን ኣለዋን።

ብተወሳኺ፡ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ምስቲ ኣብ ብመበል ሻብዓይ ክፍለ ዘመን ብሰላም ናብ ኤርትራ ዝኣተወ እምነት እስልምና፥ ከምኡውን ምስታ ብመጀመርታ ብ1853 ዓ.ም. ኣብ ሔቦ ዝተመስረተት ናይ ሮማ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ፥ ከምኡውን ምስታ ብ1873 ኣ.ፈ ኣብ ጸዓዘጋ ዝተመስረተት ቀዳመይቲ ወንጌላዊት ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ብሓባራዊ ምክብባር፡ ብፍቕርን ስምምዕን ተላዚባ ትነብር ዘላ ኣደ እምነት ህዝቢ ኤርትራ እያ። ብአደነታውን ናይ አደ ክብራ፡ ብጀካ እዘን ዝሓለፋ ውሑዳት ዓመታት፡ ብህዝቢ ኤርትራ እናተኸብረት ከምዝጸንሔት ዝስሕቶ ሰብ ዘሎ አይመስለንን።

እዚ ክብል ከለኹ ግን፡ ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስትያን ኤርትራ፡ ብሐፈሻዊ አገላልጻ ናይ ኩሎም መግዛእትታት ተጽዕኖን ግዳይን ኮይና ኣይትፈልጥን ንምባል ኣይኮነን። ንአብነት፡ መግዛእቲ ጥልያን ንዓኣ ናይ መግዛእታዊ ዕላምኡ መሳርሒ ንምግባር ዘይፈንቀሎ እምኒ ከምዘይነበረ ከም አብነት ምጥቃስ አኻሊ እዩ።

ይኹን እምበር፡ ዳርጋ ከም ፍርቂ ሕብረተ-ሰብ ኤርትራ መጠን፡ ኣመንታን ሰዓብታን ዘይተሳተፍዎ ጽቡቕ ይኹን ሕማቕ ታሪኽ ሃገረ ኤርትራ ኣሎ ክበሃል ኣይከኣልን።ዋላኳ ኣብ ጊዜ ፈደረሽን ገለ ውሑዳት መራሕቲ ብናይ ውልቆም ውሳኔ ስማን ታሪኻን ዘንቅፍ ፍጻመ እንተ ገበሩ፡ ብኣንጻሩ ድማ እቶም ዓገብ ዝበሉን ብሰፊሑ ዝተቓወሙን ሰዓብታ ቃል ውጹዕ ህዝብን ቤተ ክርስቲያንን ምዃኖም ዝካሓድ ኣይኮነን።

ኣብ ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ እንተረኤናውን፡ ከምቲ ኹሉ ካልእ ክፋላት ሕዝቢ፡ ብዓሰርተታ አሽሓት ዝቑጸሩ ክቡራት ደቃን ብአማእት ዝቑጸሩ ውሉደ ክህነትን ስለ ናጽነት በጃ ሓሊፎም እዮም።  ክልቲኤን ውድባት ክሰምራን ክፋቐራን መራሕታ መዚዛ ክሳብ ሜዳ ብምኻድ ኣብ ጉባኤ ዕርቂ ኳዜንን ካልእ ቦታታት ከበሳን ብምኹላል ዘይሕለል ጻዕሪ አካይዳ ጥራይ ዘይኮነ፡ ስለ ሓድነትን ክብርን ህዝቢ ኤርትራ ክቡር ዋጋ ከፊላ እያ።

ነቲ ኣብ ሽዕብን ካልእ ቦታታት ሃገርናን ብወተሃደራት ደርጊ ዝተፈጸመ ኣረሜናዊ ግፍዒ ርእያ ክምዘይረአየት ስቕ አይበለትን። ኣፋ ከፊታ ኣብ ኣድባባይ ንመራሕቲ ደርጊ ብምድሪ ፍርዲ፡ ብሰማይ ኵነኔ ኣሎኩም ! ኢላ ከም ዘውገዘት ታሪኽ ዝምስክሮ ሓቂ እዩ።

እንተኾነ ግን፡ ህዝባዊ ግምባር ሓርነት ኤርትራ ካብ ጊዜ ብረታዊ ቃልሲ ጀሚሩ ብሓፈሽኡ ኣብ ልዕሊ ኵለን ሃይማኖታትን መንፈሳውያን ማሕበራትን ዘለዎ ኣረኣእያ ግጉይን ኣዕናውን ኣተሓሳስባ እዩ ነይሩ። መሰረት ናይዚ ኣረሜናዊ ኣተሓሳስባ ድማ ካብቲ “አምላኽ ዝበሃል ብፍጹም የሎን! ዝብል ጓና ፍልስፍና ክሕደት ዝተበገስ እዩ። ሱሩ ድማ ካብቲ “ሃይማኖት ንሰፊሕ ህዝቢ ዘልምስ ሓሽሽ እዩ! ዝብል ናይ ማርክሳዊ ኣረሜናዊ ፍልስፍና ዝቐድሖ ኮይኑ፡  ኣብ ኤርትራ ኮምዩኒስታዊ ስርዓት ንምትካል ነዊሕ ጸረ-ሃይማኖት መገዲ ሒዙ ተጓዒዙ እዩ።

እዚ ውድብዚ፡ ነቲ ሃብታም መንፈሳዊ ውርሻ ሕብረተ-ሰብና ጨሪሱ ንምሕካኽን፡ ብባዕዳዊ ፍልስፋና ክሕደት ንምቕያርን ዘካየዶ ናይ ነዊሕ ጊዜ አዕናዊ ምንቅስቓስ መሪር ዝኾነ ፍሬታቱ ሎሚ ብጋህዲ ዝረአ ሓቂ ኮይኑ አሎ። አብ ኤርትራ ሃይማኖተ-አልቦ  ሕብረተ-ሰብ ንምትካል ካብ ዝገበሮ ዘመተታት ንምጥቃስ፡ ንኹሎም ተጋደልቲ፡ ክርስቲያንን አስላምን ብዘይ አፈላላይ ፡ሃይማኖታዊ እምነቶምን ክብረቶምን ብምግሃስ ብመገዲ ፖለቲካዊ ትምህርትን ናይ ካድር ስልጠናታትን ሕማቕ ኣተሓሳስባ ንምስራጽ ዘካየዶ ናይ ነዊሕ እዋን ዘመተ ሓደ መርኣያ እዩ።

ኦርቶዶክስ  ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ግን “ምስ እግዚኣብሔር ተቓሊሱ ዝተሳዕረ እምበር ዝሰዓረስ የልቦን! ካብ ዝብል መሰረታዊ ሓቂ ተበጊሳ እዚ ጸረ-ሃይማኖታዊ ኣረኣእያ ምስ ጊዜ ዝልወጥን ዘይብሱል ዕሸላዊ ሓሳብ እዩ ብማለት ብትዕግስትን ትዕዝብትን ትከታተሎ ነበረት። እዚ አተሓሳስባ ካብ ዊንታ ዘነቐለ ዘይኮነስ፡ አብ ዘመንና ዝተፈጸመ ታሪኽ ከይተረፈውን ዘረጋገጾ ትዕዝብቲ እዩ።

ምኽንያቱ ኣብ ታሪኽ እቶም ንኣምልኾ እግዚኣብሔር ዝተጻረሩ መንግስታትን ስርዓታትን ኩሎም ሓፊሮምን ተሳዒሮምን እዮም። ንኣብነት ነቲ ብጸረ-ሃይማኖትነቱ ዝልለ ሰውራ ጥቅምቲ 1917 ሶቭየት ሕብረት እንተረአና፤ ካብ አበጋግሶኡ ጀሚሩ፡ ንሃይማኖታዊን መንፈሳዊ ውርሻ ሩስያ ንምድምሳስ ዋና ዕላማኡ ነይሩ። ነዚ አብ ግብሪ ንምትርጓም ከአ፡ ብፍላይ ንምጽናት ኦርቶዶክስ ቤተ-ክርስያትያን፡ ከም ቀንዲ ዕማሙ ጌሩ ተንቀሳቐሰ። አብተን ናይ 70 ዓመታት ሓጸርቲ  ዕድሜኡ፡ 600 ጳጳሳት፡ 40 ሽሕ ዝኾኑ ካህናት፡ ብሚልዮናት ዝቑጸሩ አመንቲ ከምዘሕቀቐ ናይ ትማሊ ታሪኽ ዝምስክሮ ሓቂ እዩ። አሰር እምነት ንምጥፋእ፡ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ አብያተ ክርስትያናት ከምዘፍረሰን፡ ናይ እንዳማቱ ንብረት መንዚዑ  ንጥቕሙ ከምዘውዓሎን ይፍለጥ። ግን አብ መወዳእታ፡ መኒኦም ጠጠው  ኢሎም? ሶቭየት ሕብረት ምስቲ ዝመሽመሸ አዕናዊ ፍልስፍናኡ ናብ ጎሓፍ ታሪኽ ክድርበ እንከሎ፡ እምነት ግን ከምዚ ናይ ሎሚ ክሳብ መወዳእታ ዓለምውን ክዕምብብ እዩ።

ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ከም ወግዓዊ መርገጺኣ፡ ነጻነት ኤርትራ ጋህዲ ዝኾነ፡ ብደገፍ ሓይሊ እግዚኣብሔር፥ ብጸሎት ኩሎም ሃይማኖታት፥ ብንብዓት ኣዴታት፥ ብግፍዒ ውጹዓት፥ ብጉልበት መንእሰያት፡ ብተወፋይነት ስዉኣት፡ ብምትሕብባር ኣብ ውሽጥን ወጻእን ዝነበረ ሰፊሕ ህዝቢ ኤርትራ ከምዝኾነ ትርዳእ።

ብድሕሪ ነጻነት፡ ግዝያዊ መንግስቲ ኤርትራ ነቲ ቅድሚ ነዊሕ ጊዜያት ብሃጼ ሃይለ ሥላሴ ዝተአወጀ “ሃገር ናይ ኩሉ ፡ሃይማኖት ናይ ግሊ! ዝብል፡ ማሕበራውነት ትሕዝቶ እምነታት ዝጻረር ጭርሖ ከም ናቱ ሓሳብ ገይሩ ምስ ዘርግሐ፡ ንማሕበራዊን ሃገራውን ረብሓን ሕድሕዳዊ ምክብባር ዝዕድም አፋፍኖት ስለዘምሰለ፡ ዕቃቤታት እንዳሃለዋ ግን ኣይተቓወመቶን።

እንተኾነ ግና መንግስቲ ኤርትራ ብዝተፈላለየ ሜላን ተንኮልን ናብ  ኦርቶዶክስ  ቤተ ክርስቲያንን ካልኦት ሃይማኖታትን ኢዱ ከእቱ ጊዜ አይወሰደሉን። ነዚ ከም ቅዉም ፖሊሲኡ ገይሩ ክሰርሓሉውን ድሕር ኣይበለን። ከም ውጽኢት ናይዚ ሓደገኛ ፖሊሲ ድማ ነዚ ዘሎናዮን ብዓይንታትና እንርእዮን ሕሱም ኩነታት ወለደ።

ኣብ 1997 ዓ.ም. ጊዜ ምንዳፍ ሃገራዊ ቅዋምውን መራሒ ሃገር (ፕረዚደንት) ነቲ አቀዋውማ ሕብረተ-ሰብና፡ ባህልናን፡ ሃይማኖታዊ ስርዓትናን ድሕሪ ደጊም ቦታ ከምዘይህልዎ ንምሕባር፡ ብድፍረት፡ “ብስም ስዉኣት ክምሕል! ንዝብል ሓረግ ብምእታዉ፡ እዚ ባዕዲ ቃለ-መሓላ መሰል ሃይማኖትን ሃገራዊ ክብረትን ዝጻረር ብምዃኑ ኣይተሓጎሰትሉን።

ካብ 1996 ንነዊሕ ጊዜያት አብ ዝተፈላለያ ቀጽሪ አብያተ ክርስትያናት ብገለ ባእታታት ናይ መጽሓፍ ቅዱስን ካልእ ንብረታት አብያተ ክርስትያናት ምንዳድ ዘመተታት አብ ዝተካየደሉ እዋናት፡ መንግሥቲ እዚ ጉዳይ ከምዘይምልከቶ ገጹ ጠውዩ ይርኢን የተባብዖን ነበረ።   አብ መወዳእታ ናይዚ ዘመተ ብ 2000 ዓ.ም.ፈ. ብድፍኢት ሃይማኖታዊ ጉዳያት አብ አስመራ ኣብ ቀጽሪ ቅድስት ማርያምን ቅድስት ሥላሴን ዘጋጠመ ምንዳድ መጽሓፍ ቅዱስን ምዕናው ንብረት ቤተ ክርስቲያንን ክጥቀስ ይከአል።

ደድሕሪ ናጻነት ኤርትራ፡ ካብ መጀመርያ ዕድሜኡ ጀሚሩ አንጻር ሃይማኖት ምስልምና፡ “ጸረ ግብረ-ሽበራውያን ዝብል ስም ብምጥቃን ሰፊሕ ናይ ምእሳር ዘመተ አካይዱ። ቑጽሮም ኣዝዩ ብዙሓት አመንቲ ሃይማኖት ድማ ኣሰሮም ክሳብዛ መዓልቲ እዚአ አበይ ከምዝአተዉ አይተፈልጠን።

ብዕለት 17 ወርሒ 5፡ 2002 ዓ.ም. ዝባኑ ቀሊዑ፡ ነተን “ብንኡሳን ሃይማኖታት” ዝፍለጣ  ኩለን እምነታት ድሕሪ ምዕጻዉ፡ ንመብዛሕትኦም መራሕተንን አመንተንን ከም አራዊት እናሃደነ በማእት ናብ ዘሰክሕን ብኢሰብኣዊ ኣተሕሕዛ ዝፍለጣ ወተሃደራውያን ኣብያተ ማእሰርቲ ደርቢይዎም ይርከብ።

ከምኡውን አብ ልዕሊ ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስትያን፡ ሰብ ብገርሁ ኣዳሂልሉ ዝፈጸሞ ዓመጽ፡ ካብ ሕዳር 2004 ዓ.ም.  ጀሚሩ ኸኣ ብቅሉዕ ጸረ እቲ ጥንታዊ ኃይማኖት ወጢንዎ ዝጸንሐ ናይ ዕንወት መደብ ስርሐይ ኢሉ ተተሓሓዞ። ነቶም ንዝግበር ዓመጽ ዓገብ ኪብሉ ይኽእሉ እዮም ኢሉ ዝጠርጠሮም ኣዕይንቲ ቤተክርስትያን ዝኾኑ ምሁራት አቦታት ካህናት አርዩ ናብ ማሕዩር ምስ ኣእተዎም፡ እኔሄ በዛ ወርሒ እዚኣ ሻሙናይ ዓመቶም አበይ ከምዘለዉን ገበኖም እንታይ ምዃኑ ከይተነግሮምን ሃለዋቶም ጠፊኡ ይርከብ።

አብ መወዳእታ መበል 2005 ዓ.ም. ን3ይ ፓትርያርክ ብጹእ ወቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ካብ መንፈሳዊ ማዕርጎም ብጎነጽ ድሕሪ ምውራድ፡  አብ መጀመርታ አዋርሕ 2006 ዓ.ም. አብ ማሕይሩ አእትዮዎም። እዞም ሎሚ ሻድሻይ ዓመቶም  ተሓይሮም ለይትን ቀትርን ዝሕለዉ ዘሎዉ ኣቦ፡ አብ ልዕሊ ወዲ 86 ዓመት ምዃኖም፡ ምንም ናይ ጥዕና ክንክን ተሓሪሞም ብረድኤት እግዚኣብሔር ድኣ ብህይወት ይነብሩ ኣለዉ እምበር ብምኽሪ’ዚ ማንም ቆጽሊ ዘይንበረሉ ስልጣን ብሓይሉ ዝመንዝዐ ስርዓት ንሞት ኣሕሊፎም ሂቦሞም እዮም እንተተባህለ ጨሪሱ ምግናን አይኮነን። ብጹእ ወቅዱስ ኣቡነ አንጦንዮስ ኣሰር ኣቦታቶም ቅዱሳን ሰማእታት ቤተክርስትያን ብምስዓብ ክሳብ ሞት እሙን ብምዃኖም ኣብ ርእሲ እቲ ሰማያዊ ኣኽሊል ብሕዝቢ ኤርትራ’ውን ንወለዶታት ኪዝከር ዝነብር ታሪኽ ይገድፉልና ኣሎዉ።

መዘካኸሪ ንክኸውንውን እዚ ገበን እዚ ኣብ ልዕሊ ኦርቶዶክስ ቤተ-ክርስትያን ሓበሻ ኣብዚ ሓጺር ዘመን ንኻልኣይ ጊዜ ዝተፈጸመ ገበን እዩ።

ኣቡነ ቴዎፍሎስ ፡ ካልኣይ ፓትርያርክ ኢትዮጵያ ከመይ ብደርግ ከም ዝተቐትሉ ንሕሰብ። ብ1976 ዓ.ም. ወርሒ ግንቦት ካብ ስልጣን ኣውሪዱ መቝሑዎም። ድሕሪ ብኣረሜናዊ መንገዲ ንእቡነ ቴዎፍሎስ ምቕታሉ ኸኣ ንሲኖዶስ ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስትያን ኢትዮጵያ ሓዲሽ ፓትርያርክ ንክሓርዩ ኣገዲዱ ንኣባ ተኸለ ሃይማኖት “ሳልሳይ ፓትርያርክ ንኽኮኑ ኣገዲዱ ኣቕቢኡዎም ። ኣብዚ ክሕተታ ዝግብኤን ክልተ ዓበይቲ ሕቶታት ኣለዋ። ገበን ኣቡነ ቴዎፍሎስ እንታይ እዩ ነይሩ?

እምበኣርከስ፡ ብዓይኒ ደርጋውያን ከም ገበን ዝተራእያ እዘን ዝስዕባ ተባዕ ስጉምትታትትን መርገጺታትን ኣቡነ ቴዎፍሎስ ነበራ።

ቀዳማይ፡ ነቶም ብግፍዒ፡ ብዘይ ፍርዲን ብጃምላን ዝተቐትሉ 60 ሰብ-ስልጣናት ስርዓት ሃጸይ ሃይለስላሴ “ዓገብ ማለቶም እዩ።

ካልአይ፡ ሃጸይ ሃይለ ስላሴ ብደርግ ምስተቐትሉ ካብ ደርጋውያን ፍቓድ ከይሓተቱ ፍትሓት ገይሮምሎም።

ሳልሳይ፡ ቤተ ክርስትያን ካብ መንግስቲ ክትፍለይ ኣለዋ ንዝብል እምነት ደርጋውያን ተጠቒሞም፡ ብዘይ ፍቓድ መንግስቲ ሓሙሽተ ጳጳሳት ሸይሞም።

ራብዓይ፡ ነቲ ጸረ-ሃይማኖታዊ ዝኾነ ስርዓት መሳርሒ ክገብርዎም ከምዘይክእሉ ስለዝተረድኦም ከሕቅቕዎም ወሲኖም።

ሕቶ፡  ኤረ ንምዃኑ ንኣቦናን ፓትርያርክናን ብጹእ ወቅዱስ ኣቡነ ኣንጦንዮስ  ካብ ሃዋርያዊ ስልጣኖም ከልግሶምን ከእስሮምን ይኽእላ እየን ተባሂለን ዝተኣልማ ክስታት እንታይ እየን?

ቀዳማይ፡ ንአቶ ኢሳይያስ አፈወርቂ እቶም ኣዕይንቲ ቤተ ክርስትያን ዝኾኑ ምሁራት ካህናት ኣብ 2004 ዓ.ም. ወርሒ ሕዳር ትሃዲኖም  ብዘይ ናይ ዝኾነ ገበን ክሲ፡ ብዘይ ፍርዲን ክእሰሩ ከለዉ፡  ኣቦና ስለቶም ካህናት ንመራሕ ሓገር ዓገብ ስለዝበሉ እዩ። እታ ዝተዛረብዋ ቃሎም ከኣ እዚኣ እያ፡ “እዞም ብመንግስቲ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝርከቡ ካህናት ዝተኣሰሩሉ ገበን እንተልዩሞ ገበኖም ንመንግስትን ሕጊ ሃገርን ዝምልከት እንተ ኾይኑ፡ ኣብ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም ክፍረዱ ይግባእ። ገቢሮሞ ዝበሃል ገበን እንተ ሃልዩ፡ እሞ ኸእ እቲ ጉዳይ ንቤተ ክርስትያን ዝምልከት እንተ ኾዩኑ፡  ግን ይፈትሑ። ቤተ ክርስትያን ባዕላ ድማ ነቲ ጉዳይ ትርኣዮ ስለዝበሉ እዩ።

ካልአይ፡ እቶም ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ኣብ ትሕቲ ቀጽሪ ቤተ ክርስትያን ዝውሕዙሞ ኣብ መንፈሳዊ ማእዲ ቤተ ክርስትያኖም ስለዝተሳተፉ፡ ብመንግስቲ ተስጕጎም ሽሞምን ዘይሽሞምን ንዘተውሃቦም መንእሰያት ኣውጊዝኩም ነቲ ቤተ ክርስትያን ዕጽዉዎ ዝብል ትእዛዝ ምስተዋህቦም፡ ኣቦና ዝሃቡዎ መልሲ ስለ ዘቖጥዖም እዩ። እቲ ዝሃቡዎ መልሲኸ እንታይ ዝብል እዩ ነይሩ? “ኣነ ቤተ ክርስትያን ክኸፍት እምበር ንክዓጽው ኣይምሓልኩን። ሎም ኣይዓጽው፡ ጽባሕ ኣይዓጽው። ቤተ ክርስትያን መማህራን ሂባ ደኣ ትሕግዞም እምበር፡ ደቃስ ኣይትሰጕግን ዝብል መልሲ ስለ ዝሃቡ እዩ። ብሓጺሩ፡ ኣነ ኣግልጋሊ ቤተ ክርስትያን እምበር ተለኣኣኺ መንግስቲ ኣይኮንኩን ኢዮም ኢሎም።

ሳልሳይ፡ ስልጣን ኣቶ ዮፍታሄ  ወዲ ቐሺ ዲሜጥሮስ  ዘይሕጋዊን ንምዕምጻጽ/ንምቍጽጻር ቤተ ክርስትያን ዝተመዘዘ ፖለቲካዊ ብዓል-ስልጣን ከምዝኾነን፡ ብዘይ ድልየት ቤተክርስትያን መንግስቲ ዘምጽኦ ሰብ ስለዝኾነ  ካብ ሕንትሽትሽ ቤተ ክርስትያን ከወጽእ ኣለዎ ስለዝበሉ እዩ።። እዚ ድማ ብኣግኡ ብጹእ ኣቦና ኣቡነ መቃርዮስ ኣብ ኤርትራ ኣብ ዝነበሩሉ እውን፡ መንግስቲ ኢዱ ኣብ ጉዳይ ቤተ ክርስትያን ከእትው ምስረኣይዎ  ንመራሕ ሃገር ኤርትራ ዝተዛረቡዎ  ስክፍታን ትንቢታዊ ዝኾነ ቃልን ዘቃልሕ፡ “ኣታትየና እምበር ኣይትተሓንገረና ዝብል ቃል እዩ ነይሩ። ብትብዓት ንዝተዛረቡዎ ቃል ድማ ብጹእ ኣቦና ቅድመ 16 ዓመት ዋጋ ከፊሎምሉ እዮም። ናብ ስደቶም ድማ ከምርሑ ተገዲዶም።  ብጹእ ኣቡነ ኣንጦንዮስውን ዝበሉዎ ንሱ እዩ።

ራብዓይ፡ አብ ኤርትራ ፍትሒ ንኽህልው ስለዝተዛረቡ እዩ።

ሎሚ እምበኣርከስ ልዕሊ 200 ዝኾኑ ካህናትን መነኮሳትን ኣብ ትሕቲ ቀይድን ማእሰርትን መንግስቲ ኤርትራ ይሳቐዩ ኣለዉ።

ልዕሊ 3000 ዝኾኑ ካህናትን ዲያቆናትን ብሓይሊ አብ ግዱድ ውትህድርና ተዓስኪሮም ይጭነቑ ኣለዉ። አማእትውን ካብዚስ ስደት ይሕሸና ብምባል ናብ ስደቶም አምሪሖም እዮም። እዚ ኸአ ኮነ ኢልካ ነቲ ንኣማእቲ ዓመታት ብገዛእቲ ባዕዳውያን መንግስታት’ኳ ክሳዕ ክንድዚ ዝይተደፍረ ጥንታዊ ኃይማኖት ንምብራስ ዓሊሙ ዝትግበር ዘሎ አዕናዊ ፕሊሲኡ እዩ።

ሞባእ (ሙዳየ-ምጽዋት) ናይ ኣብያተ ክርስቲያናት፡ ብፍላይ ካብ 2009 ጀሚሩ፡ ብልኡኻቱን ብሓለዋ ወተሃደራትን ተኣኪቡ ናብ ሃይማኖታዊ ጉዳያት ይእከብ አሎ።

ቅርሲታት ገዳማት ኤርትራ ተዘሚቱ እዩ።

ኣብ ወጻኢ ከይተረፈ ኣብ ልዕሊ ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜሪካ ብኤምባሲ ሃገረ ኤርትራን ዕሱባት ልኡኻትን ጌሩ ካብ 2005 ጀሚሩ ዝገበሮን ገና ዝገብሮ ዘሎን ጸለመን ክስታትን ምብትታን ምእመናንን ኣየቋረጸን። ነዚ ዘመተዚ አብ ምሉእ አውሮጳን ካልእ ክፍልታት ዓለምን ይቕጽል አሎ።

ኣብ ልዕሊ ውፉይ ናይ ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜሪካ መራሒና ብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ ስዉርን ግሁድን ተጻብኦታት ብምዝርጋሕ ኣብ መንፈሳዊ ዕዮ ቤተ ክርስቲያን ይኹን ኣብ መንጎ ምእመናን ባእስን ሕንፍሽፍሽን ከእቱ ለይትን መዓልትን ይጽዕር አሎ።

ኣብ ወጻኢ ንዝነብሩ ምእመናን ብሰንኪ እምነቶም ኣብ ትውልዲ ዓዶም ኤርትራ ከይዶም ከይቅበሩን ጸሎተ ፍትሓት ከይግበረሎምን ሃይማኖታዊ ጉዳያት ተኸታቲሉ ይኽልክሎም።

ንካህናትን ዲያቆናትን ድማ ምስ ስድራ ቤቶምን ደቆምን ከይተኣኻኸቡን ንሃገሮም ከይኣትዉን ኣጽኒዑ ሃገራዊ መሰሎም ክኸልኦም ይርከብ።

እዚ ክብል እንከሎኹ ሓደ ዓቢ ሓቂ ነስተውዕል፡፡ ኩለን  እምነታት ኤርትራ - ኦርቶዶክስ፡ ሃይማኖት ምስልምና፡ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን፡ ኩለን ከኒሻዊን፡ ካልኦት እምነታትን - ብዘይ አፈላላይ ንነዊሕ እዋን ናይዚ ስርዓት ግዳያት ኮይነን ጸኒሔን እየን። እዚ አብ ሥልጣን ዝርከብ ወንጀለኛ ስርዓት፡ ብዝኾነ መምዘኒ፡ ንዝኾነት እምነት ዘይሓድግ፡ ናይ ኩለን እምነታት ዋና ጸላኢ ምዃኑ ንማንም ዝተስወረውን አይኮነን።

ግን ከምቲ ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ዝምህረና፡ (2 ቆሮ. 4፡9-18) “ብኹሉ ወገን ንጽቀጥ፡ ግናኸ ኣይጸበናን፡ እንገብሮ ይጠፍኣና፡ ግናኸ ተስፋ ኣይንቐብጽን ኢና፡ ንስጎግ፡ ድርቡያት ግና ኣይኮንናን። ይደፍኡና፡ ግናኸ ኣይንጠፍእን ኢና።

እምበኣርከስ፡ ዝኸበርኩም ስለ ፍትሕን ሰብኣዊ መሰላት ህዝቢ ኤርትራ ንምርግጋጽ ዓጢቕኩም ካብ ኩሉ ኵርናዓት ዓለም፡ ብዘይ ሃይማኖታዊ፡ ዓሌታውን፡ ጾታውን  ፍልልያት አብዚ ቦታ እዚ ተአኪብኩም ዘለኹም ወኪላት ውድባትን፡ ሲቪካዊ ማሓብራትን፡ ናይ ሃይሞኖት መራሕቲን፡ ምሁራትን፡  ከም ካህን ኦርቶዶክስ ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስትያን ኤርትራ፡ ኣገደስቲ ዝብለን ነጥብታት የቕርብ።

መሰል እምነት ቀዳመይቲ መሰል ተባሂላ ትጽዋዕ። ንምንታይከ ከምዚ ትጽዋዕ? እምነት ናይ ሕሊና ጉዳይ ስለዝኾነት። ኩለን ካልኦት መሰላት - ናይ ምዝራብ፡ ናይ ምጽሓፍ፡ ናይ ምእካብ...  ወዘተ - ካብ ሕሊና ወጻኢ ዝፍጸማ፡ ብዓይኒውን ዝረአያ ግሁዳት መሰላት እየን።  ሕልና ደቅ ሰብ ዝመሕደሪኣ መሰል እምነት ግን ብቐዳምነት ስትርቲ፡ ድሒራ ግን ግህድቲ ትኸውን። መሰል እምነት ከይሃለወ እምበኣርከስ፡ ዝኾነ ካልእ መሰል ክህልው አይክእልን። እዛ መሰል እዚኣ ማንም ሰብ ወይ ሓይሊ ከም ትኳቦ ዘይህበካ፡ ማንም ሰብ ወይ ሓይሊ ኽአ ከሕድገካ  ዘይክእል፡ ምስ ምስትንፋስ  እትመሳሰል ተፈጥሮአዊ መሰል ከምዝኾነ  ቤተ ክርስትያን ትአምን።

1. እምበኣርከስ፡ ትእዛዝ እግዚኣብሔር ዘኽብር ህዝብን ሃገርን፡ ወትሩ ብሰላምን ቅሳነትን በረኸትን እዩ ዝነብር እሞ፡ ኣብ ኤርትራ ድማ ክብሪ ኣምላኽ፥ ነጻ መሰል ሃይማኖታትን፥ መሰል ደቂ ሰባትን ክኽበር ይጽውዕ።

2. በብጊዜኡ ኩሉ ሰብ ኣብ ሓቅን ፍትሕን እንተ ሰሚሩን ተፋቒሩን ጊዜ ዘምጽኦ ጊዜ ከም ዝወስዶ ምንም ዘጠራጥር ከም ዘይኮነ የረጋግጽ።

3. ሕብረት፡ መሰረት ናይ ኩሉ ዓወት ብምዃኑ፡ ኩሉ ኣብዚ ጉባኤዚ ዝግበር ምርድዳኣትን ውሳኔታትን ረብሓ ህዝብን ሃገርን ዘቐድም፡ ምፍልላይ ናይ ሃይማኖት፥ ዓሌት፥ ሕብሪ፥ ጾታን ቦታን ዘይብሉ፥ ፍቕርን ሰላምን ዘስፍን ንዕቤትን ምዕባለን ዘውሕስ ክኸውን እላቦ።

4. ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ሕጂውን እግዚኣብሔር ኣብ ዝመደቦ ጊዜን ሰዓትን ንኣምላኽ ዝፈርሑ፥ ብሕግን ፍትሕን ዝመርሑ፥መሰል ሃይማኖትን መሰል ደቂ ሰባትን ዘኽብሩ፥ ዕርቅን ሓቅን ዘቐድሙ፡ ክቡራትን ለባማትን መራሕቲ፡ እግዚኣብሔር ከም ዘተንስእ እምነትን ናይ መዓልታዊ  ጸሎት ቤተክርስትያን ምዃኑ አዘኻኽር።

 

እግዚአብሔር ናይ ተስፋ ጊዜ የርእየና።

እግዚኣብሔር ንህዝቢ ኤርትራ ሰላም፡ ራሕዋን ቅሳነትን የምጽአሉ።

እግዚአብሔር ነዚ አብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ወሪዱ ዘሎ አደራዕ ይቐንጥጠሉ።

አብዚ ተጋቢእኩም ንዘሎኹም አቦታትን፡ አዴታትን፡ ኣሕዋትን፡ አሓትን፡ መንእሰያት ደቅናን ከአ፡ ልዝብነት፡ ልቦና፡ ምስትውዓልን፡ ምክእአልን ይሃብኩም።

እግዚኣብሔር ንኤርትራ ሃገርናን ህዝብናን ይባርኽ!

ምስ ኩለን ጎረባብታ ድማ ብስኒትን ብፍቕርን የንብራ። አሜን።

 

Eritrean Orthodox Diocese Established In Europe
avatar http://awate.com/eritrean-orthodox-diocese-established-in-europe/

Posted on December 15, 2011 by

The first Eritrean Orthodox Diocese was established in Europe on December 3, 2011 where His Grace Bishop Mekarios of the North American Archdiocese appointed a board of clergy to oversee the work of the church, according to the website of the Eritrean Orthodox Church in North America.

The board reports to Bishop Mekarios.

The European Diocese has “about 11 churches” that serve Eritrean Orthodox faith.

The European and North American Dioceses of the Diaspora Orthodox Eritreans are under the authority of His Grace Bishop Mekarios and they maintain their loyalty to Abune Antonios, the third patriarch of the Orthodox Church, who is still considered the legitimate patriarch of the church.

In 2007, the Eritrean regime removed the 85 year-old patriarch Abuna Antonios from the church and placed him under house arrest in a move that Orthodox Christians and Eritreans in general considered a clear interference in church affairs, and in his place appointed a new patriarch, Abune Dioskoros.

Since then, many, if not most, Orthodox Eritreans have rejected the regime-appointed patriarch Dioskoros, and still pledge allegiance to Abune Antonios.

The move of the Eritrean regime is also denounced by the international Oriental Orthodox Churches who still consider Abune Antonios the legitimate patriarch of the Eritrea Orthodox Church.

To combat the opposition to its interferences, the Eritrean regime has sent scores of priests to many cities in Europe and North America and has used threats and blackmailing to weaken those who still pledge allegiance to Abune Antonios.

The octogenarian patriarch is said to be suffering from bad health after almost five years of house arrest.

The North American Diocese with its thousands of followers has been defending its church robustly against the interferences by the Eritrean regime.