ዋሕዚ ኤርትራውያን ስደተኛታት ናብ ሱዳን ብዘሰንብድ ብዝሒ ይቕጽል ኣሎ

 

ክፍሊ ዜናን ባህልን

ሰልፊ ህዝቢ ኤርትራ

03.01.2009

 

ካብ ዕለት 11 ክሳብ 17 ታሕሳስ 2008 ማለት ኣብ ሓደ ሰሙን 377 ኤርትራውያ ናብመደበር ስደተኛታት ሸገራብ ኣትዮም። እዝርዝር ናይ’ዞም ናብ መደበር ስደተኛታት ሸገራብ ዝበጽሑ ኤርትራውያን ድማ ከም’ዚ ዝስዕብ ኢዩ።

 

1. ደቂ ኣንስትዮ

 

·         ትሕቲ 5 ዓመት ዝዕድሚአን 9 ሕጻናት፤

·         ካብ 5-18 ዝዕድሚአን 23 ሕጻናትን መንእሰያትን፤

·         ልዕሊ 18 ዝዕድሚአን 25 ብጹሓት፤

ብድምሩ 57 ደቂ ኣንስትዮ

 

2. ደቂ ተባዕትዮ

 

·         ትሕቲ 5 ዓመት ዝዕድሚኦም 24 ህጻናት፤

·         ካብ 5-18 ዝዕድሚኦም 72 ሕጻናትን መንእሰያትን

·         ልዕሊ 18 ዝዕድሚኣኦም ብጹሓት 224፤

ብድምሩ 320 ደቂ ተባዕትዮ።

 

ጠቕላላ ብዝሒ ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ድማ 377 ኢዩ።

 

 ካብ ዕለት 18-26 ታሕሳስ 2008 ድማ፡ 465 ሓደስቲ ኤርትራውያን ስደተኛታት ናብ’ቲ መደበር ኣትዮም። ዝርዝራቶም ከኣ ከም’ዚ ዝስዕብ ኢዩ።

 

1. ደቂ ኣንስትዮ

 

·         ትሕቲ 5 ዓመት ዝዕድሚአን 10 ሕጻናት፤

·         ካብ 5 ክሳብ 18 ዝዕድሚአን 31 ሕጻናትን መንእሰያትን፤

·         ልዕሊ 18 ዝዕድሚአን ብጹሓት 83፤

ብድምሩ 124 ደቂ ኣንስትዮ።

 

2. ደቂ ተባዕትዮ

 

·         ትሕቲ 5 ዓመት ዝዕድሚኦም 23 ሕጻናት፤

·         ካብ 5 ክሳብ 18 ዝዕድሚኦም 79 ሕጻናትን መንእሰያትን፤

·         ልዕሊ 18 ዝዕድሚኦም 239 ብጹሓት

ብድምሩ 341 ደቂ ተባዕትዮ።

 

ጠቕላላ ብዝሒ ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን 465

 

ብኻልእ ኣገላልጻ፡ ኣብ ውሽጢ ክልተ ሰሙን ማለት ካብ ዕለት 11-26 ታሕሳስ 2008 ጥራሕ 842 ኤርትራውያን ኣብ መደበር ስደተኛታት ሸገራብ ዑቕባ ሓቲቶም ኣለዉ።

 

Contact Us at:   webmaster@nharnet.com