ድቅኹም ናብ ኢትዮጵያ ኣህዲምኩምም ተባሂሎም

12 ተቐማጦ ዓዲ ጉዑር ዝዀኑ ወለዲ ተኣሲሮም

ክፍሊ ዜናን ባህልን

ሰልፊ ህዝቢ ኤርትራ

02.04.2009

ደቅኹም ናብ ኢትዮጵያ ኣህዲምኩም ብዝብል ምስምስ፡ ስርዓት ኢሳያስ ካብ ዕለት 10-20 መጋቢት 2009 ኣብ ዘሎ ግዜ 13 ተቐማጦ ዓዲ ጉዑር፡ ኣብ ኣውራጃ ሰራየ፡ ከም ዝኣሰረ ምንጪታት ሰልፊ ህዝቢ ኤርትራ ካብ’ቲ ከባቢ ሓቢሮም። ዝርዝር ኣስማት ናይ’ቶም እሱራት ወለዲ ከም’ዚ ዝስዕብ ኢዩ።

 

1. ተሁነ ናይዝጊ

2. ኣርኣያ ወልዳይ

3. ገብረሂወት ወልዳይ

4. በየነ ተስፋማርያም

5. ኣብርሀት

6. ዑቝባይ ገረዝጊሄር

7. ቀሺ ተኽላይ ገብረኪዳን

8. ወልዳይ ይሕደጎ

9. ብርሃነ ተስፋማርያም

10. ኢያሱ ጸጋይ

11. ደረሶም በየነ

12. ኣባይ በየነ

 

ብኻልእ ሸነኽ ከኣ፡ ብ28 መጋቢት 2009 ሓሙሽተ ደቂ ኣንስትዮ ዝርከብኦም 11 ኤርትራውያን ስደተኛታት ብግንባር ራማ ናብ ኢትዮጵያ ከምዝኣተዉ ተፈሊጡ ኣሎ።

 


Contact Us at:   webmaster@nharnet.com