<%@LANGUAGE="JAVASCRIPT" CODEPAGE="65001"%> Untitled Document

ትልሚ፣ ንዘርኢ ክርዳድ : 7 ይ ክፋል - ብ ኣለና

Friday, 29 October 2010 17:06
Print PDF
Alenaኢሳይያስ ኣፈወርቂ ንነዊሕ ዓመታት ኣንጻር ኤርትራውያን ቀጭ-ሕርሙ ኣነጻጺሩ፣ ጎበዝ ሃገር ዝወድአ ሕሱም ሰብ ኢዩ። ሎሚ ነዚ ብቋንቋ ሩስያ /Dragnov/ ተባሂሉ ዝጽዋዕ  ዘይምሕር በዓል ቢኒኮሎ ጠበንጃ፤ (ቀጭ-ሕርሙ) ናብ ግንባሩ ንምለሶ። ኢሳይያስ ጸላኢ ናይ ሓደ ሃይማኖት፣ ናይ ሓደ ኣውራጃ፣  ናይ ሓደ ብሄር ጥራይ ኣይኮነን። ን’መንካዕ’፣ ን‘የሚን’ ንኢብራሂም ዓፋ፣ ንካልኦት ዜጋታትን ጉጅለ 15፣ ዝኣሰሮምን ዝቐንጸሎምን ብጉዳይ ኣውራጃ፣ ብሄር ወይ ሃይማኖት ኣይነበረን።          
ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብርሃም፣ ንቦኽሪ ወዱ ዘይከምቶም ኣብ ግዜ ሰውራ ንደቆም ‘ማርክስ’፣ ‘ስታሊን’፣ ‘ፍረ-ሰውራ’፣ ‘ሃዋሻይት’፣ ‘ደንደን’ ዘውጽእሎም ዝነበሩ፤ ናይ ኣባሓጉኡ ስም ኢዩ ዘጠመቖ። እዚ ከኣ ከም ዋዛ ዘይኮነስ፣ ወራስ ዓራት ንክኾነሉ ብንጹር መልእኽቲ ዝተዋህበ ስም ኢዩ። ንሕና ግን ንዓመታት ደቂስና ኔርና። ካብ 1970 ዓ.ም. በብዓመቱ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን  ምሁራትን ተባዓት ተጋደልቲን  ዝገብሮ ዝነበረ ቅንጸላ፣ በየናይ ዓንቀጽ ኢዩ ክፍረድ፣ ንናይ ሕጊ ክኢላታት ዝምልከት ጉዳይ ኢዩ።
ሎሚ ንሕና ብሓደ ድምጺ ሰሚርና ኣብ ክንዲ ኤርትራን ኤርትራውያንን እንብል፣ ብሃይማኖት፣ ኣውራጃን ብሄርን ሆየ-ሆየ እንተደኣ ንጻወት ኮይንና፣ ኤርትራ መስሓቕ ኢሳይያስን መሻርኽቱን ክትከውን ኢያ። ከምቲ ንሱ ንኤርትራ ‘ዳግማዊት ሶማል’ ክትከውን ኢያ ኢሉ ዝምነያ፣ ብፍላጥን ብዘይ ፍላጥን ጎድኒ-ጎድኑ ብብሄር፣ ሃይማኖት፣ ኣውራጃ ክፈናጭሉ ዝጓየዩ ዘለዉ ውልቀ-ሰባት ብታሪኽ ተሓተትቲ ኢዮም። መሰል ምሕታት ግቡእ’ዩ። ብሰላማዊ ይኹን ጎነጽ ንኢሳይያስን ህግደፍ ሰልፉን ሓንሳብን ንሓዋሩን ናብ ጎዱፍ ምድርባይ ኩላትና ክንሸባሸበሉ ዝግባኣና ሓባራዊ ውራይ ኢዩ። ልክዕ ንተቓወምቲ ዝመስሉ፣ ናይ ተቓወምቲ ቋንቋ ዝዛረቡ፣ ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ዝጽሕፉን ዝምድሩን ረቂቕ ተልእኾ ሰኒቖም ኣብ ማእከል ህዝቢ ዝተሾገጡ ኣትማን’ውን ከም ዘለዉና ምሕሳብ የድሊ ኣሎ።
‘ትልሚ ንዘርኢ ክርዳድ’ ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዝጽሕፈሉ ዘለኹ ተኸታታሊ ታሪኽ፤ ገለ ምስጢራትን ገበናትን ጨካን ኢሳይያስ  ኣፈወርቂን ካብ ቅድም ክሳብ ሎሚ ምስኡ ዝተሓባበሩን  ክጽሕፍ እየ። ንሓድነት ሃገር ክሃስዩ ዝኽእሉ ጉዳያት ግን ኣይክጸሓፉን ኢዮም። ምኽንያቱ ሃገር…ሃገር ስለዝኾነት!
ብዙሓት ሰባት ካብዚ ዘቕርቦ ዘለኹ ጥማዕ ታሪኽ ንላዕሊ ዝፈልጡ ከም ዘለዉ እኣምን እየ። መን ኣሎ ብኢሳይያስ ኣቡኡ፣ ኣዲኡ፣ ሓዉ፣ ሓብቱ፣ ቀረባ ዘመዱ ዘይተቐትሎ ወይ ዘይተኣስሮ? መን ኣሎ’ኸ ብሰንኪ ኢሳይያስ ናብ ስደት ዓዲ ጓና ዘይተሰደ…መን ኣሎ ዘይሓዘነ…ዘይተዋረደ? ብዘይካ ኣውያትን ብኽያትን ደባሲ ዘይብሉ ህዝቢ…ብዘይካ ዝተደርመመ ኣራእስ ኣዴታት፣ ዝተቖነነን ዝተሰለመን ገጽ ዘይንርእየሉ ኣብ ዘመነ-ኢሳይያስ …ኢና ዘለና’ኮ።
ስለዚ ሕነ ክንፈዲ እንተኾይንና፣ ከምቲ ሓብቲ ለማ ሕነ ሓዋ ንክትፈዲ ናብ ጫካታት ዋልቃይት ዝወረደት፤ ንሕና ድማ ሕነ ኣብ ልዕሊ ኢሳይያስ ክንፈዲ ናብ ሩባ ተከዘ፣ ጎላጉል ባርካን ጎቦታት ሳሕልን ክንከይድ ግዜ ኣየፍቅደልናን ኢዩ። ሕነና ክንፈዲ፣ ስዉኣትና ንሕድሮም ብመብጽዓና ክድበሱ፣ እቲ ብዛዕባ ኢሳይያስ እንፈልጦ ጉድ ሎሚ ንህዝብና ንንገር። እዚ ዲያብሎስ ወላ’ኳ ሎሚ ብሓደ እግሩ ጠለይ-ጠለይ ዝብለሉ ግዜ እንተኾነ፤ መድሎ እንተረኾቡ ገና ክቕርም ኢዩ። ብዙሕ ግዜ ንመዋጥራት ብጠለይ-ጠለይ ዝሰገሮም ኢሳይያስ፣ ብምትላል፣ ብሽሕጣንን ብፈላሊኻ-ግዛእ ዝብል እከይ ብልሓትን ኢዩ ክኸይድ ጸኒሑ’ሞ ንበራበር። ስለዚ ኤርትራ ሃገር ክትከውን፤ ህዝባ ድማ ናጻን ሓራን ህዝቢ ክኸውንሲ ብምሉእ ዓቕምና ኣንጻሩ ደው ንበል።
ናብ ኣርእስትና… ካብ ብጊሓቱ ርእሰ ምትእምማን ዘይተዓደለ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፣ ካብ ዝተሰለፈሉ መዓልቲ ቀሲኑ ሓዲሩ ኣይፈልጥን ኢዩ። ግርጭት ምስ ወዲ ዓፋ ካብ ግዜ ሰብዓታት ኢዩ ጀሚሩዎ። ቅድሚ ውድባዊ ጉባአ ነቲ ኣብ መንጎ ኢብራሂም ዓፋን ወልደንኪኤል ሃይለን ዝነበረ ብጻያዊ ሓድነት ንኽበትኽ ብዙሕ ጻዕሪታት ገበረ። ወዲ ሃይለ ወላ’ኳ ኣዛዚ ቦጦሎኒ 4 እንተነበረ፣ ኣባል ሰልፊ ኣይነበረን። ንኹሉ መዓልታዊ ንጥፈታቱን ዝምድንኡን እናተኸታተለ ጸብጻብ ናብ ኢሳይያስ ዘመሓላልፍ ዝነበረ ወተሃደራዊ ሓለፊ ደቡባዊ ግንባር ዝነበረ ድማ ተጋዳላይ መስፍን ሓጎስ ነበረ።
ነቲ ገዲምን መስራቲን ህዝባዊ ሓይልታት ወልደንኪኤል ሃይለ ብስም “ደጋፊ መንካዕ ኢዩ” ብዝብል ጠቐነ ካብ ብዙሓት ተጋደልቲ ፈልዩዎ ኢዩ። ወልደንኪኤል ብዛዕባ ጉዳይ መንካዕ ዝነበሮ መርገጺ ንጹር ኢዩ፦
“…መንካዕ ዘቕረብዎ ሕቶ ቅኑዕ ኢዩ፣ እቲ ናቶም ጌጋ ብወተሃደራዊ ዲሲፕሊን ዘይምእዛዞም ጥራይ ኢዩ። ስለዚ ኣብ ክንዲ ቀይዲን ምርሻንን፣ መረዳእታን ነቐፌታን ጥራይ ምኣኸለ” ዝብል ነበረ።
እስከ ንሰለስተ ነጥብታት ጥራይ ካብተን ኣብ 1973 /ቅድሚ 37 ዓመታት/ ‘መንካዕ’ ናብ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ  ዘቕረቡወን፣ ብዘይ ወሰኽ ቃል ወይ ፊደል ንመልከተን፦  
                                                      ሀ) ክፍሊ ዜናን ምንቕቓሕን፣  
“እዚ ክፍሊ እዚ ናይ ውድብና ናይ ኩነታት ሰውራ  ንህዝብን ንተጋደልትን መዘርግሕን መነቓቕሕን  ኮይኑ ከብቅዕ፤ ውድብና ኪዝርግሖ ብዝደልዮ ሓሳባት ወይ ድማ ኪነቕሓሉ ብዝግብኦ ኣርእስትታት መሪሕነት ግዚያዊ ምይይጥ ኮነ ምምኽኻር ጌራትሎም ኣይትፈልጥን ኢያ። ንኣብነት እዚ ውድብ እዚ ድሕሪ ሕጂ ካብ ዓማ ንምክልኻል፤ ንዓማ ኣብ ምጥቃዕ ቅዲ ፖለቲክኡን ቅዲ ውግኡን ኣብ ዝገበረሉ ግዜ፣ ክፍሊ ዜና ብተሓላላፊ ወረ ኢዩ ሰሚዕዎ። ብገዛእ ርእሱ ክፍሊ ዜና ሓሳባት ኣብ ዘቕርበሉ ግዜ ድማ ብዘየጽግብ መረዳእታ ኣብ ሓደ ክልተ ግዜ ተነጺጉ። እዚ ክፍሊ‘ዚ ብተወሳኺ ሓላፊ ተወልደ ኢዮብ እኳ እንተተባህለ፣ ርክብ ምስ ኢሳይያስ ኢዩ። ተወልደ ስለምንታይ ስርሑ ንኸካይድ ምሉእ ሓላፍነት ኣይወሃቦን? ወይ ካልእ ሰብ ስርሑ ኣይሓዘን?”
                                                     ለ) ክፍሊ ሕክምና፣
“እዚ ክፍሊ እዚ ናይ ሕክምና ግቡእ ንተጋደልቲ ከወፊ፣ ቅድሚ ውግእን ጉዕዞን ኪማኸር ዚግብኦ ክነሱ፤ ስለዘይማኸር ብዙሕ ሳዕቤን ኣትሪፉ ኣሎ። ንኣብነት ኣብ ከበሳ ዘለዉ ብጾትና ናይ ፈውሲ ሽግር ዘጋጥሞም ዘሎ ሓደ ምኽንያት ኢዩ። ናይዚ ክፍሊ እዚ ሓላፊ ሙሳ ኢብራሂም ኢዩ ነይሩ። ካልእ ይትረፍ ወላ ሕሙማት እናምጽአ ዘሰናብት ግን ኢሳይያስ ኢዩ።
                                                     ሐ) ክፍሊ ስንቂ፣
“ልክዕ ከም ሕክምና ክፍሊ ስንቂ ቅድሚ ውግእ ወይ ጉዕዞ ወይ ድማ ናይ ነዊሕ ሕንጻጻት ከውጽእ ስለዘይማኸር ወይ ሙሉእ ሓላፍነት ስለዘይወሃብ፣ ተጋደልቲ ከጓንፎም ዘይግባእ ብዙሕ ጥሜት ኣጓኒፍዎም። /ጥሜት ጥሩቕሩቕ፣ ጥሜት ገህተብ፣ ጥሜት ግልዕ፣ ጥሜት ከበሳ።/ ብዛዕባ ሽግር መንገዲ‘ውን ምሉእ ምምኽካር ተገይሩሎም እንተዝኸውን፣ በዓል ብጻል በረኸት ብጸላኢ ኣይምተታሕዙን” መወዳእታ ጥቕሲ መጽሓፍ ‘መንካዕ’።
‘ኣቦ ጓል ዲኻ ኣቦ ወዲ፣ ኣብ ኩሉ ኢድና ንወዲ’ ዝበሃል ምስላ ደጊም ከምዚ’ዩ። እነሆ ድማ ፋሉል ኢሳይያስ ቀደም ዝለመዶ ምጽፋዕን ቃሕታዊ መንገዲን፤ ክሳብ ሎሚ ንርእዮ። ባዕሉ ፕረዚደንት…ላዕላዋይ ኣዛዚ ሓይልታት ምክትታል…ባዕሉ ኢንጂነር…ንሱ ዶክተር…ንሱ ኩሉ…።
ተጋዳላይ ወልደንኪኤል ሃይለ ንጉዳይ ‘መንካዕ’ ኣመልኪቱ ዝነበሮ ኣረኣእያ ከኣ፣ ካብዘን ኣቕሪበየን ዘለኹ ቁንጫል ሕቶታቶም ዝተበገሰ ኢዩ።
ኣብ መወዳእታ 1975 መስፍን ሓጎስ ኣብ ዓላ ዝገበሮ ናይ ሓለፍቲ ኣኼባ ሓደ ካብ ተሳተፍቲ “እዚ መንካዕን ደገፍቲ መንካዕን እናበልካ ዝግበር ዘሎ ሰባት ናይ ምንጻል ጎስጓስ፣ ክእረም ኣለዎ” ዝብል ርእይቶ ኣብ ዘቕረበሉ ግዜ፤ መስፍን ሓጎስ ከምዚ ክብል ከም ዝመለሰሉ ናብቲ ቅድሚ 35 ዓመታት ዝገበሮ ኣኼባ ዓላ መሊሰ ከዘኻኽሮ፦  “ብመንካዕ ዝሓምም ሰብ እንተሎ፣ ልቡ ከሰል ትምሰል” እምበኣርከስ ነዘን ንኣሽቱ ኣብነታት ጠቒሰ ናብ ጉዳይ ኢብራሂም ዓፋ ክቕጽል።
ውጽኢት ቀዳማይ ውድባዊ ጉባአ ህዝባዊ ግንባር፣ ሮሞዳን መሓመድ ኑር ዋና ጸሓፊ፣ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ምክትል ዋና ጸሓፊ ክኾኑ እንከለዉ፤ ሃይለ ወልደንስአ /ድሩዕ/ ሓላፊ ፒለቲካዊ ጉዳያት ፣ ኢብራሂም ዓፋ ድማ ሓላፊ ወተሃደራዊ ጉዳያት ኮይኖም ተመዘዙ። ካብ ኣባላት ፖለቲካዊ ቤት ጽሕፈት ኣብ ብዙሕ ኣኼባታት ንዓፋኒ ኣከያይድኡን ተበላጺ ዕላምኡን ዝቃወሞ ዝነበረ ኢብራሂም ዓፋ፣ ሓደ መዓልቲ ናይ ጥፍኣት ነታጒ ክቐብረሉ ምዃኑ ኣየደቀሶን።
ብድሕሪ ውድባዊ ጉባአ፣ ኣብቲ ‘በብቑሩብ ሰብን መሬትን ሓራ ምውጻእ’ ዝብል ወተሃደራዊ ስልቲ፣ እተን ቀዳሞት ብወተሃደራዊ ሕንጻጽ ኢብራሂም ዓፋ: ተወፋይነት ህዝቢን ተጋዳላይን ናጻ ዝወጻ ከተማታትን ሓውሲ ከተማታትን ኤርትራ እዘን ዝስዕባ ነበራ፦ 1) ናቕፋ ብዕለት 23  1977። 2) ኣፍዓበት ብዕለት 06 ሚያዝያ 1977። 3) ደቀምሓረ ብዕለት 06/ ሓምለ 1977።  4) ከረን ብዕለት 08 ሓምለ 1977። 5) ሰገነይቲ ብዕለት 03 ነሓሰ 1977። 6) ድግሳ ብዕለት 05 ነሓሰ 1977 ናጻ ክወጻ እንከለዋ ካልኦት ኣብ መንገዲ ባጽዕ-ኣስመራ፣ ክሳብ ሰይ ዲቺ /16 ኪ.ሜትር ካብ ኣስመራ/  ዝነበራ’ ውን ሰዓብአን።
ብወገን ተ.ሓ.ኤርትራ ናጻ ኮይነን ዝነበራ ከተማታትን ሓውሲ ከተማታትን’ውን 1) ተሰነይ ብዕለት 10 ሚያዝያ 1977። 2) መንደፈራ ብዕለት 24 ነሓሰ 1977  3) ኣቑርደት ብዕለት 31 ነሓሰ 1977። 4) ዓዲ ዃላ ብዕለት 12 ነሓሰ 1977 ነበራ። ኣብቲ ግዜ’ቲ ብዘይካ ፍርቂ ክፋል ባጽዕ፣ ዓዲ ቐይሕ፣ ባረንቱን ዓሰብን መላእ መሬት ኤርትራ /ልዕሊ 80%/ ካብ ቁጽጽር ጸላኢ ናጻ ወጺኡ ነበረ። ኣብ መንጎ ክልቲኡ ውድባት ዝነበረ ዝምድናታት እናዓዘዘ ኣብ ዝኸደሉ ዝነበረ ዓመታት ኢዩ’ምበኣር ኢሳይያስ ነታ ንሱ ንበይኑ ዘይነግሰላ ኤርትራ ንዝተቐረበ መኣዲ ናጽነት ደፊኡ፤ ንውድብ ህዝባዊ ግንባር ናብ ምዝላቕ ከም ዝኣቱ ዝገበረ። ኣብ ጉዳይ ምዝላቕ ኣብ መንጎ ላዕለዎት ሓለፍቲ ውድብ ህዝባዊ ግንባር ዘይምርድዳእ ከም ዝነበረ ድሒሩ ይስማዕ ነይሩ ኢዩ።  
ንውግእ መብዛሕትአን ናጻ ዝወጻ ከቢታት ብትብዓት መሪሑ ዘዐወተ ወዲ ዓፋ ድማ መመሊሱ ካብ ተጋዳልቲ ወርቂ ዘውዲ እናደፍአ ከደ።  ኣብ ብዙሓት ኣሃዱታት “…ሰራዊት እንግሊዝ ንከረን ካብ ወተሃደራት ጥልያን ንምሓዝ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ወሲዱሎም። ንህዝባዊ ግንባር ግን 3  መዓልቲ ጥራይ…ዓጀብ ጅግንነት!” ኣብ ዝበሃለሉ ዝነበረ ግዜ፤ ዝና ወዲ ዓፋ እናለዓለ ከደ።
እቲ ዝና  ዝስመዓሉ ዝነበረ ግዜ’ውን ኢብራሂም ላዕለዋይ ሓባራዊ ፖለቲካዊ ሽማግለ ክልቲኡ ውድባት ኮይኑ ንክሰርሕ ውድብ መዝነት ኣሰከሞ። ኣብ ላዕለዋይ ሓባራዊ መሪሕነት ይሰርሓሉ ኣብ ዝነበረ ግዜ፤ ብዛዕባ ተኽእሎ ሓድነት ክልቲኡ ውድባት ኤርትራ ምሉእ ዕድል ከም ዝነበረን፤ ናጽነት ኤርትራ ንምጉንጻፍ’ውን ነተን ዝተረፋ መዓስከራት ጸላኢ ዝኸፈልካ ከፊልካ ናጻ ምውጽአን ዝብል  ጸብጻቡ የቕርብ ነበረ።
ብድሕሪ ምሕራር ከተማ ከረን፣ ኤርትራ ናጻ ክትወጸሉ እትኽእለሉ ኣገባብን መንገዲን ብዝምልከት ምስ ኢሳይያስ ሓያለይ ግዜ ናብ ቁሩቁስ ይኣትዉ ነይሮም ኢዮም። ኢብራሂም ዓፋ በቲ ኢሳይያስ በብዓመቱ ዝወስዶ ዝነበረ ቃሕታዊ ስጉምቲ ዕጉብ ኣይነበረን።
ናጻን ዲሞክራስያዊን ርእይቶ ዝነበሮ ወዲ ዓፋ፣ ነቲ ብኣረኣእያ ኢሳይያስ ጥራይ ዝውሰን ዝነበረ ጉዳያት፦      1)ጉዳይ ስምረት ምስ ውድብ ተ.ሓ.ኤ.፣
2)ጉዳይ ምዝላቕ ካብ ኣፍደገ ኣስመራ
3)ጉዳይ ዝርርብ ምስ ደርግ ኣብ በርሊን።
ኢብራሂም ዓፋ ብፍላይ ኣብ ጉዳይ ዝርርብ ምብራቕ ጀርመን /በርሊን/ ንሓፋሽ ህዝቢ ኤርትራ ብዘርብሕ ኣገባብ፣ ንጹር ተቓውሞ ናብ ኢሳይያስ የቕርብ ነይሩ ኢዩ።  
ቀዳማይ ርክብ በርሊን ካብ ዕለት     25-29/11/1977
ካልኣይ ርክብ  በርሊን ብዕለት       02/02/1978
ሳልሳይ  ርክብ በርሊን ካብ ዕለት     22-23/03/1978
ራብዓይ ርክብ በርሊን ካብ ዕለት     09-10/06/1978
ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፤  ስርዓት ደርግ ሓይሉ ክሳብ ዘደልድልን ካብ ሕብረት-ሶቭየት ነበር እልቢ ዘይነበሮ ኣጽዋር ክሳብ ዝዕድግን ኢዩ ዝጽበዮ ነይሩ። ደርግ ድማ ብስም ‘ዝርርብ ሰላም’ ናይ ምህማል ኣሽካዕላል ክጻወት ድሕሪ ምጽናሕ፣ ልዕሊ 300,000 ሰራዊት ኣሰሊፉ ብዕለት 15/07/1978 ሰፊሕ ቀዳማይ ወራር ደርግ  ጀመረ።
ከምኡ’ውን ኣብ መስዋእቲ ኣብርሃም ተወልደን፤ ደሓር’ውን ኣብ ጉዳይ ምእሳር  ሰለሞን ወልደማርያምን  ዓቢ ፍልልይ ኢዩ ነይሩዎም። ንእግረ መንገድና ሰለሞን ወልደማርያም ናብ ሱዳን ምስ ሃደመ ወዲ ዓፋን ሮሞዳን መሓመድ ኑርን ኢዮም ከይዶም ለሚኖም መሊሶሞ። “ብናትካ እምነት ጥራይ እየ ዝምለስ ዘለኹ” ኢሉ ሰለሞን ንኢብራሂም ተዛሪቡዎ ነይሩ’ዩ።     
ኣብ መንጎ ኣባላት ፖለቲካዊ ቤት ጽሕፈት ህዝባዊ ግንባር፣ ብፍላይ ከኣ ኣብ መንጎ ኢሳይያስን ገለ ኣባላት ፖ/ቤ/ጽሕፈትን  ከቢድ ግርጭት ከም ዝነበረ ድማ ተኽላይ ገብረማርያም /ዓደን/ ብ23 ታሕሳስ 1980 ኣብ ረድዮ ኢትዮጵያ ገሊጽዎ ነይሩ ኢዩ።       
እቲ ዝነበረ ምፍጣጥን ሓያል ናጻ ርእይቶ ኢብራሂም ዓፋን ግን ንኢሳይያስ ፈጺሙ ኣየደቀሶን ነይሩ። ብድሕሪ ምዝላቕ፣ ኢሳይያስ ኢብራሂም ንምንጻልን ንምድስካልን ብዙሕ ፈተነታት ገይሩ’ዩ። ገለ ኢሳይያስ ዝለኣኾም መዓድቲ ንኢብራሂም “ካብዚ ዘለኻዮ ሓንሳብ ምስራሕ ንሓንሳብ ከኣ ምድስካልሲ ሞት ይሓይሽ፣ ሰብኣይ ክልተ ግዜ ክረአ የብሉን…” እናበሉ ከምቲ ኣባል ማእከላይ ሽማግለ ህዝባዊ ግንባር ዝነበረ ተጋዳላይ ሃብተ ተኽለ ዝወሰዶ ርእሰ-ቅትለት፤ ወዲ ዓፋ’ውን ኣንጸርጺሩ ነብሱ ንክቐትል ምድፍፋእ ይግበረሉ ነይሩ።
ኣብ ሻድሻይ ወራር ደርግ ኢሳይያስ ንወዲ ዓፋ ኣብቲ ብተመክሮኡ ክመርሓሉ ዝግባእ ግንባራት  ኣብ ክንዲ ዝሰዶ፣ ነቲ ብጎላጉል ናሮ ዝወፈረ፣ ዓቐበት ኣግራዕ /ጽርግያ ሓመድ ዲበላይ/ ንምዕጻው ዝወፍር ዝነበረ  3ይ ክፍለ-ጦር ደርግ ንክከላኸል ተነግሮ። ኢብራሂም ዓፋ ነታ ካብ ብርጌድ 51 ዝመጸት ኣሃዱን /ቦጦሎኒ ወዲ ጸገደ/ ካብ ክፍልታት /ዓምበርቦብ ሕሽክብ/ ኣስመሮም ገረዝግሄር ዘማእከሎም ዝኸተቱ ተጋደልቲን መሪሑ ተዋግአ።
እቲ ኣብ መንጎ ኢሳይያስን ኢብራሂምን ዝነበረ ምስሕሓባት እናኸረረ ከደ። ኢሳይያስ፣ ኢብራሂም ንምንጻል ኣብ ኣባላት ሰልፊ “…ምስ ዑስማን ሳልሕ ሳበን ደቂ ሰምሃርን ተመሻጢሩ ዕልዋ ክገብር ይሓስብ ኣሎ” ዝብል ወገናዊ ምጉጅጃል ክገብር ጀመረ። ግን ኣይሰመረሉን፣ እቲ ምንታይ ሞያ ወዲ ዓፋ ዘይፈልጥ ተጋዳላይ ስለዘይነበረ። ኣብቲ ብዕለት 10 ጥቅምቲ 1985 ዝጀመረ ወራር ‘ባሕሪ ነጋሽ’ ኢዩ’ምበኣር ኢሳይያስ ጽቡቕ ኣጋጣሚ ረኺቡ።
ጸላኢ ብዕለት 19 መጋቢት 1984 ብኲናት ተሳዒሩ ንዝገደፎ ግንባር ሰሜናዊ ምብራቕ ሳሕል ሃንደበት ብማርሳ ተኽላይ ኣተዎ። ሽዑ ኢብራሂም ኣብ ዓራግ ኢዩ ነይሩ። ኣብቲ ከባቢ ብዘይካ ኣሃዱ ክፍሊ ታዕሊም፣ ተመሃሮ /ክፍሊ ህንጻ/ መዓስከር ዊናን ገለ ሓለፍቲን ካልእ ተዋጋኢ ሓይሊ ኣይነበረን። ኩሉ ኣብ ከባቢ ዓራግን ሓሊበትን ዝነበረ ተራ ይኹን ሓላፊ ናብ ግንባር ሓልሓል ከቲቱ ነበረ።
ከምቲ ኣብ ላዕሊ ተገሊጹ ዘሎ ምህዞ ኢሳይያስ ንፊልም ቅንጸላ ኢብራሂም ሽዑ ኢዩ ጀሚሩ። ከምቲ ኣቐዲመ ዝጠቐስኩዎ ድማ፣ ሃንደበት ናብ ሱዳን ተበገሰ። ንወዲ ዓፋ ዝቐትል ‘እሙን’ በዓል መዚ ፈልዩ ክብገስ እንከሎ፤ ኦፐረተሩ ንዝነበረት ተጋዳሊት“…ርክብኪ ምስ ወዲ ዓፋ ኣብ ሰሰዓት ይኹን። ንወዲ ዓፋ ምስ ረኸብኪ ከኣ፣ ቀጥታ ንዓይ ርኸብኒ። ስለዚ ኣነን ንስኺን ርክብና ኣብ ከክልተ ሰዓት ኢዩ።” ኢሉዋ ተበገሰ። ኦፐረተር ርክባ ኣየቋረጸትን፣ ናብ ካርቱም ምስ ኣተወ፣ ንግሆ ዘመሓላለፈቶ ቀዳማይ መልእኽታ ከኣ ንኢሳይያስ ናይ ደስ-ደስ ዜና ኮነ።
ኦፐረተር ንኢብራሂም ዓፋ ካብ ወጋሕታ ሰዓት ኣርባዕተ ንደሓር ክትረኽቦ ከም ዘይከኣለት መልእኽታ ኣመሓላለፈት። ትርጉሙ ብስራት ንኢሳይያስ፤ ንህዝቢ ኤርትራ ግን መርድእ ነበረ። እታ ንግሆ እቲኣ ድማ ኢሳይያስ ጸባ ዝሰተየላ፣ ጅግና ኢብራሂም ዓፋ ከኣ ኣብ ኣኻውሕ ጎቦ ዓጋመት ዝተቐብረላ ወጋሕታ ኮነት። ትልሚ ንዘርኢ ክርዳድ ዝተለመ ኢሳይያስ፣ እታ ንግሆ እቲኣ ትልሚ ዝኽትምና ሳራ ኢብራሂም ነበረት።
ሽዑ ምክትል ክነሱ መርድእ ኢብራሂም ዓፋ ናብ ዋና ጸሓፊ ሮሞዳን መሓመድ ኑር ሰደደ። ሮሞዳን ኣብቲ ግዜ’ቲ ብጉዳይ ስራሕ ኣብ ሶርያ ደማስቆ ኢዩ ዝነበረ። ነቲ መርድእ ምስ ኣንበበ ከኣ፣ እቲ ጉዳይ ሃንደበት ከም ዝኾኖ ናይ ሕርቃን ቃል ተዛሪቡ ኢዩ። ምዝራብ ጥራይ ዘይኮነ ከኣ፣ ገጹ ከም ዝኣሰረን ካብቶም ጥቕኡ ዝነበሩ ሰባት’ውን ከም ዝተኣልየን ናይ ዓይኒ ምስክር፣ ኣብቲ ግዜ’ቲ ምስ ሮሞዳን ኣብ ደማስቆ ዝነበረ ኣባል ማእከላይ ሽማግለ ህዝባዊ ግንባር መሓመድ ኑር ዲጎል ሎሚ ብሂወቱ ዘሎ ሰብ’ዩ።
ኢሳይያስ ካብ ሰብዓታት ከም ድሌቱ ተሓምበለ ክብል ዝዓገቶ ሰብን ሕጊን ኣይነበረን። ስለዚ ቀደም ብሰባት ይጻወት ነይሩ፣ ሎሚ ከኣ ብህዝቢን ሃገርን ይጻወት ኣሎ። ከምቲ ንጀጋኑ እናመንከለ ናብዚ ሎሚ በጺሕዎ ዘሎ ጥርዚ ዝበጽሐ፤ ይኣክል ንበሎ። ነታ ሰባት ዝወድአት ካራ ናብኡ ነቕንዓያ። ብዘይካ ኢደይ-ኢድካ ድማ ካልእ ኣማራጺ የብልናን።
ኣብ ዝቕጽል ክፋል፣ መደምደምታ ቅንጸላ ጅግና ወዲ ህዝቢ ተጋዳላይ ኢብራሂም ዓፋ ኢዩ ክቕርብ። ብድሕሪ ቅንጸላ ወዲ ዓፋ ዝቐርቡ ኣገደስቲ ጉዳያት ስርዓት ህግደፍ ግን ክልዉና ኢዮም። ኩላቶም ኣብቲ ጽዩፍ ስራሕ ቅንጸላ በብዓቕሞም ዝወዓሉን፣ ብፍላይ ድማ ካብ 1985 ክሳብ ምብራዕ ኲናት ባድመን ሎሚን ኣብዘን 25 ዓመታት ተራ ሜጀር ጀነራል ፊሊጶስ ወልደዮሃንስ ኣብ ስርዓት ህግደፍ ከመይ ይመስል ከም ዘሎ ክንርኢ ኢና። ‘ጎይትኡ ዝኣመነ ከልቢስ ስብሕቲ እናተሓርደት ንሩባ ይወርድ’ ከም ዝበሃል፤ ሎሚ ሜ/ጀ ፊሊጶስ ብድሕሪ ኢሳይያስ ቃሕ ከም ዝበሎ ዝገብር ዘሎ ሰብ’ዩ።
ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን! ናባይ ክትልእክዎ እትደልዩ ተወሳኺ ሓበሬታ፣ መብርሂ፣ መኣረምታ ወይ ለበዋ ከኣ በዚ ዝስዕብ ኣድራሻይ ክትጽሕፉለይ አዘኻኽር።      

\n alenakoena@gmail.com This e-mail address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it

ክሳብ ዳሕራይ ርክብና ሰላም

ሞት ክናና ንኢሳይያስ!

ይቕጽል…