line decor
  
   	             Home  News  Editorial  Human Rights  Current Affairs   Events  About Us    
line decor

Links

Asmarino

Alnahda

Alenalki

Adoulis

Baden Kunama

Democrasia

Dekebat

Eri Planet

Farajat

Jeberti

Mai Habar

Maitemenay

Mekaleh Eritrea

Nharenet

Self Democracy

Togoruba

Teshamo


 

            

3 ውልቀ ሰባት ተኣሲሮም

          

         ስርዓት ህግደፍ ኣብ ከባቢ ገሉጅ ሰለስተ ሰባት ኣሲሩ። እዞም ብኣባላት
    ጸጥታት ተሰነይ ብዕለት 26/12/08 ዝተኣስሩ ሰባት ሃንደበት ሰዓት 3
    ናይ ለይቲ ከካብ ገዝኦም ዝተወስዱ እዮም። እዞም ካብ መንጎ ስድራቤቶም
    ብዘይተፈልጠ ምኽኒያት ዝተወስዱ ግዳያት፦

  1.   ኣቶ መሓመድ ዓሊ ኣረይ
  2.   ኣቶ ክፍለዝጊ ሃብተ
  3.   ኣቶ ድራር

           እዞም ሰለስተ ውልቀ ሰባት ቅድሚ 14 ዓመታት ካብ መዓስከር
     ስደተኛታት ሱዳን ናብ ሃገሮም ብሰላም ክነብሩ ዝ ኣተዉ እዮም።
           ስድራቤት እሱራት ንክርእዩዎም ኣብ ዝሓተቱሉ እዋን፡ ካብ ሓላፊ ጸጥታ
     ተሰነይ ዝተዋህቦም መልሲ ''ንሕና እዞም ትብሉዎም ዘለኹም ሰባት ኣይኣሰናን፡
     ኣይንፈልጦምን ኢና" ዝብል እዩ። በዚ ዘይሓላፍነታዊ መልሲ ዘንጸርጸሩ
     ስድራቤታት ጥርዓኖም ናብ ምምሕዳር ገሉጅ ኣቕሪቦም። ካብቲ ምምሕዳር
     ዝተዋህቦም መልሲ'ውን ካብ ኡ ዘይሓይሽ '' ብዛዕባዚ ትብልዎ ዘለኹም ዝኾነ
     ኣፍልጦ ይኹን ሓበሬታ የብልናን'' ክብል ሸለልትነት ኣይትብሎ ንዕቀት ዝመልኦ
     መልሲ እዮም ረኺቦም።


       


 

 

                                                   Copyright © 2008- Eritrea-watch for Human Rights and Democracy